back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ኮምሽን ንሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ መንግስቲ ኤርትራ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል ይቕጽሎ ምህላዉ ሓቢሩ

ኣብ ወርሒ ሕዳር ናይ 2020 ንቅድሚኡ ዝነበሩ ተኪኡ ዝተመዘ፡ ፉልይ ሪፖርተር ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ መሓመድ ዓብደልሰላም፡ ትማሊ 22 ሰነ ጸብጻቡ ናይ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘቕረበሉ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ግዝኣት ኤርትራ ይኹን፡ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ይፍጽም ምህላዉ ሓቢሩ።

እቲ ኮምሽነር መንግስቲ ኤርትራ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት እታ ሃገር ንምምሕያሽ ዝወሰዶ ስጉምቲ ከምዘየለን፡ ካብ ውሽጢ ኤርትራ ወጻኢ ኣብ ትግራይ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ኤርትራውያንን ስቪል ህዝብን ከምዝፈጸመ እቲ ኮምሽን ኣብ ጸብጻቡ ጠቂሱ።

እቲ ኮምሽነር ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ትግራይ ንዘጋጠመ ኩነታት፡ ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ሲቪል ህዝቢ ኮነ ኢሎም መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙን፡ ኣብቲ ክልል ንዝነበራ ክልተ መዓስከራት ስደተኛታት ብምፍራስ ገለ ስደተኛታት ከምዝሰወሩን፡ ደሃዮምን ኣበይ ከምዝርከቡን መንግስቲ መልሲ ክህብን ብተወሳኺ ኣብ ትግራይ ዝርከብ ሰራዊት ኤርትራ ክወጽእ በዚ ኣጋጣሚ ይሓትት ክብል ሓቢሩ።

ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝኮነ እወታዊ ምዕባለ ምምሕያሽ ሰብኣዊ መሰላት ከምዘይተራእየ ዝጠቀሰ እቲ ኮምሽን፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ፍርቂ ዓመት ዝተራእየ ምፍታሕ ናይ ኣመንትን ናይ ሃይማኖት እሱራትን ምህላዎም፡ ከምሓደ እወታዊ ተግባር ከምዝርአን ብምጥቃስ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብታ ሃገር ተሰዊሮም ዝርከቡ፡ ናይ ፖሎቲካን ሕልናን እሱራት ደሃዮም ክሕበርን፡ ክፍትሑን ጸዊዑ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ መንግስቲ ኤርትራ ብመገዲ ወኪሉ ኣምበሳድር ተስፋሚካኤል ገራህቱ ኣቢሉ፡ እቲ ጸብጻብ ፖሎቲካዊ ድፍኢት ዘለዎን ዘይሓቅን ክብል ከምዝነጸጎ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት፡ ብተወሳኺ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ፡ ነዚ ጸብጻብ ኣመልኪቱ ዝነጽግ መግለጺ ከምዘወጽአ ይፍለጥ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles