ዝመጽእ 23 መስከረም 2021 ኣብ ኒው ዮርክ ንዝዕደል Disturbing the Peace Award ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሽልማት ኤርትራዊት ጸሓፊትን ገጣሚትን ይርጋኣለም ፍስሃ ኣብ ሞንጎ ዝርዝር ርቑሓት እቲ ስልማት ምህላዋ ተሓቢሩ።
ብ Vaclav Havel Library Foundation ንጸሓፍቲ ልቢ ወለዳውን ዘይልቢ ወለዳውን ጽሑፋት ዝዕደል ሽልማት፡ ንጭቖንቲ ስርዓታት ተቋውሞም ንዘይፍትሓዊ መቕጻዕቲ ንዝተዳረጉ ዝወሃብ ስልማት ኢዩ።
The Disturbing the Peace award ንዕዉታት ክሳብ ሓሙሽተ ሽሕ ዶላር ዝዕድልን ከምኡ ድማ፡ ኩነታት ምስ ዘፍቕድ ብምትሕብባር ቫክላቭ ሃቨል ኣብ ፕሮግራም ዕድል ናይ ምጽሓፍ ማሕድሮ (writing residence) ዝህብን ኢዩ።
ነዚ ሽልማት ተሮቚሖም ዘለው ጸሓፍቲ ኤርትራዊት ይርጋኣለም ፍስሃ ሓዊሱ፡ ሓሙሽተ ኮይኖም፡ ኣብ ሃገረ ህንዲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ጸሓፍን ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላትን ዝኾነ Anand Teltumbde ይርከቦም።
ይርግኣለም ፍስሃ ኣብ ኤርትራ ኣብ ራድዮ ባና ምስ ዝሰርሑ ዝነበሩ ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን ኣብ 2009 ድሕሪ ምእሳራ፡ ኣብ 2015 ተፈቲሓ፡ ኣብ ሃገረ ጀርመን ብምዃን፡ ኣለኹ እትብል መጽሓፍ እኩባት ግጥምታት ምሕታማ ይዝከር።