ካብ 14 ሰነ ጀሚሩ ጣልያን ን 4 መዓልቲ ዝቅጽል ዘሎ ብ ኣንድሪኣቲካ ኣዮኒካ ሬዝ (andariatica ionica race) ዝፍለጥ ቅድድም ብሽክለታ፡ መርሃዊ ቁዱስ ሎሚ ኣብ ዝወዓለ ተረርቲ ዓቀብ ዝተሰነየ ካልኣይ መድረኽ፡ መበል ካልኣይ ደረጃ ብምውጻእ ድሙቅ ዓወት ኣመዝጊቡ።
እዚ ክሳብ 18 ሰነ ዝጸንሕ ውድድር ብዙሕ ዓቀብ ከምዘለዎ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ መርሃዊ ቁዱስ ኣብዚ ውድድር ዓወት ከምዝግቡ ትጽቢት ካብ ዝግበረሎም ሓደዩ።
ኣብዚ ሎሚ ዝወዓለ ውድድር ኣስታት 114 ኪሎሜተር ዝሸፈነ ኮይኑ፡ ኢጣልያዊ ፎርቲናቶ ሎሬንዞ ቀዳማይ ኮይኑ ክዕወት ክኢሉ ይርከብ፡ ብተወሳኺ ኣብዚ ውድድር ኤርትራዊ ፕሮፈሽናል ተቐዳዳምይ ናትናኤል ተስፋጼን ይሳተፍ ምህላዉ ይሕበር።
ኣብ ዝተፈለላየ ዓበይቲ ውድድራት ዝሳተፉ ዘለዉ 1 ጓል ኣንስትየቲ ትርከቦም 10 ፕሮፈሽናላት ተቐዳደምቲ ብሉጽ ውጽኢት የመዝግቡ ምህላዎም ይሕበር።