back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ላዕለዎት ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዓሰብ ኣኼባ ኣካይዶም

ብጀነራል ፍሊጶስ ወልደየውሃንስ፡ ብርጋዴር ጀነራል ኣብርሃ ካሳን ዝተመርሐ ተወሰኽቲ ኣዘዝቲ ሰራዊት ዝተረኽብሉ ኣኼባ፡ ካብ 4 ሰነ ክሳብ 6 ሰነ ኣብ ከተማ ዓሰብ ምስ ኢትዮጵያውን ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ኣኼባ ከምዝተኻየደ ራድዮ ኤረና ንምንጭታታ ብምጥቃስ ሓቢራ። እታ ራድዮ ኣስታት 10 ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝጸዓነት ነፋሪት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ 3 ሰነ ከምዝዓለበትን፡ እቲ ኣኼባ ኣብ ውሽጢ ናቫል ቤዝ ከምዝተኻየደን ብተወሳኺ ሓቢራ።

ዕላማ ናይቲ ኣኼባ እንታይ ከምዝተዘራረቡን ክፈልጥ ከምዘይተኻእለ ዝሓበረት ራድዮ ኤረና፡ ብዛዕባ ኣብ ትግራይ ዘሎ ወተሃደራዊ ኲነታትን፡ ኣብቲ ክልል ዝርከብ ሰራዊት ኤርትራ ካብቲ ክልል ወጺኡ፡ ስትራተጂካውን ጸጥታውን ምትሕግጋዝ ዝዓለመ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት ክትብል ጠቂሳ።

ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኢትማጆት ሹም ጀነራል ብርሃነ ጁላ ናብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኤርትራ፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ክልል ትግራይ ክወጽእ ዝጠልብ ደብዳቤ ጽሒፉ ምንባሩ ኣብ ዜናና ጠቂስና ምንባርና ይዝከር። ነዚ ተኸቲሉ ወሃቢት ቃል ቤትጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ብሌነ ስዩም፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብቲ ክልል ክወጽእ ምጅማሩ ኣብ ዝገብረቶ ጋዜጣዊ ዋዕላ ምሕባራ ይፍለጥ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles