back to top
ሰኑይ 24 ለካቲት, 2025

መልእኽቲ 20 ሰነ 2021 ምንቅስቓስ ንፍትሒ ኤርትራ

መዓልቲ ሰማእታትና 20 ሰነ ብኽብሪ ክንዝክራ እንከለና፣ ኣብ ትሕቲ ጽላል ሃገራዊ ሓድነት ተጠርኒፍና ሃገርና ንምድሓን ፍትሓዊ ቃልስና ብዓወት ናብ ምዕራፉ ንምብጻሕ መብጻዓና እነሐድሰሉ ረዚን ዕለት እዩ።

ሰማእታትና ነታ ካልኣይ ግዜ ዘይትድገም ሂወቶም ዝወፈይሉ ዕላማ ብስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ተጠሊሙ ሃገርና ኤርትራ ብባርባራዊ ምሕደራ ምስቓያ ከይኣክል፣ ሕሰምን ሰቖቃን ዘለናዮ ህ.ግ.ደ.ፋዊ መዋእል ኣብ ነፍስወከፍ ስድራ ቤትን ውልቀ ዜጋታትን በጺሑ ክፉእ ስምብራት እናገደፈውን ይሓልፍ ኣሎ።

ስለዚ ዝኽሪ ሰማእታትና ንስለ ዝኽሪ ሓደ ግዜ ኣኽቢርና እንሓልፎ በዓል ዘይኮነስ፣ ኣብ ልብና ተሰሪቱ ክሳብ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ተኺልና ሰብኣዊ ፍትሒ፣ ቁጠባዊ ዕብየትን ሃገራዊ ራህዋን ሰላምን ነረጋግጽ ካብ እንግዳዓና ዘይወርድ ንዘንት እለት ናብ ወለዶታት እነሰጋግሮ ክብሪ ሃገርና ኤርትራ ውን እዩ።

ሰማእታትና ክቡር መስዋእቲ ዝኸፈሉሉ ውሕስነት ሃገር፣ ፍትሕን ደሞክራስን ኣብ ግብሪ ዝውዕል ግን ኩልና ተቓለስቲ፣ ካብ ጸቢብ ፈላላዪ ውልቃዊ ረብሓታት ርሒቕናን፣ ኣብ ሓደ ሃገራዊ ጥምረት ብሓድነት ተጠርኒፍናን ንሕሱም ጸላኢና ህ.ግ.ደ.ፍ. ብጅግንነትን ቆራጽነትን መኪትና ምስ እንስዕሮ ጥራሕ እዩ። ሓድነታዊ ቃልስናን ሃገራዊ ጥምረትናን ኣደልዲልና እንኸዶ ጎደና ዓወት፣ ንጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ንምጥፋእን ሕድሪ ሰማእታትና ንምፍጻምን ወሳኒ እዩ። ኣብ ሓጺር ጊዜ ናብ ዓወት ንምብጻሕን፣ ክሳራታት ንምውሓድን፣ ካብ ኩሉ ታቓላሳይ ልዑል ሃገራዊ ንቕሓትን ውፉይ ኣእሙሮኣዊን ኣካላዊን ሓይሊ ይሓትት።
ሕሱም ጸላኢና ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ንፍትሓዊ ቃልስና ንምድኻም ብዝተፈላለየ ረቂቕ ሜላታት ኣብ ውሽጥና ኣትዩ ክዘራርገናን ክበታትነናን ዘይጥቀመሉ ብልሓታት ስለዘየለ፣ ንኣፍራሲ ሽርሕታቱ ንምምካን፣ ትኩርነት ጠመተና ኣሐይልና፣ ንቕሓትና ብምብራኽ፣ ብሰፊሕ ሃገራዊ ርድኢት ሓድነትና ሓሊና፣ ጉዕዞ ቃልስና ብናህሪ ኣሰላሲልና ጎደና ዓወትና ክንቅጽል ይግባእ።

ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ!
ዘልኣለማዊ ዝኽሪን ክብሪን ንሰማእታትና
ምንቅስቓስ ንፍትሒ ኤርትራ
20 ሰነ 2021

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles