ኣብ ዝሓለፈ 3 ዓመት ኣብ ሱዳን ድሕሪ ዝተኻየደ ናይ ለውጢ ሰውራ ን30 ዓመት ፕረዚደንት ኮይኑ ብውልቀመላኽነት ነታ ሃገር ዝመርሐ ዑመር ኣልበሽር ካብ ስልጣን ከምዝተኣልየ ሱዳን ድማ ናብ ጉዕዞ ዲሞክራስን ትስጉም ከምዘላ ክንዕዘብ ጸኒሕና።
እንተኾነ ካብ ፍጹም ውልቀ መላኽነት ናብ ዲሞክራሲ ንምስግጋር ናቱ መስርሕ ዝኽተል ዝያዳ ቃልሲ ዝሓትትን ግዜ ክወስድ ዝኽእልን እዩ። ሓያለ ኣብ ሱዳን ናይ ለውጢ ሰውራ ዘካየዱ ብፍላይ ድማ ደቂ-ኣንስትዮ እቲ ናብ ዲሞክራሲ ምስግጋር መስርሕን ግዜ ብምውሳዱ ከምኡ’ውን ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ከምዝቲ ዝድለ ይስጉም ብዘይ ምህላዉን ናይ ለውጢ ቃልሰን ኣብ ምቕጻል ይርከባ።
ኣብ ምያዝያ 2019 እዩ፡ ሱዳናውያን ለይትን መዓልትን ዘይፈለየ ኣብ ቀጻሊ ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ተጸሚዶም ኔሮም። ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ መንጎ ሰልፈኛታት ሓንቲ ጻዕዳ ልዌት ዝለበሰት መንእሰይ ኣብ ልዕሊ መኪና ተሰቒላ ‘ጥይት ኣይቀትልን እዩ፡ እንታይ ደኣ ስቕታ ኣህቢ እዩ ዝቐትል’ እትብል ሰውራዊት ግጥሚ ክትደጋግም ጀሚራ። ኣብ ከባቢኣ ዝነበሩ ሰባት ድማ ነታ ግጥሚ ደድሕሪኣ ብምድጋም ንዘካይድዎ ዝነበሩ ሰልፊ ኣወዓዊዖሞን ፍናን ሞራልን ኣስኒቖሞን።
ስእሊ እታ ኣብ ልዕሊ መኪና ኮይና ግጥሚ ብምግጣም ድምጻ ዘስመዐት ዝጨርሐትን መንእሰት ብመገዲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተወዓዊዑ፡ ኣብ ማዕከናት ዜና ዓለም ተጋዊሑ፡ ኣብ ጋዜጣታትን መጺሄታትን’ውን ተሓቲሙ። እታ ጓል 22 ዓመት መንእሰይ ዓላ ሳላሕ እያ ትበሃል።
ኣብቲ እዋን’ቲ ዓላ ሳላሕ ተመሃሪት መሃንዲስ ህንጻ (Architect engineering) እያ ኔራ፡ ኣብ ፖለቲካ’ውን ብዙሕ ኣፍልጦ ኣይነበራን፡ እንተኾነ ኣባላት ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝገብርዎ ዝነበሩ ኣተሓሕዛ ድሕሪ ምዕዛባን ሰልፈኛታት ከምዝተቐትሉ ድሕሪ ምስመዓን ናብቲ ሰልፊ ክትጽንበር ወሲና።
ዓላ ሳላሕ ከመይ ኢላ ናብ ሰልፊ ከምዝተጸምበረት ክትገልጽ እንከላ፡ ‘ሰልፊ ንምክያድ ምስ እኩብ ዝህቢ ተጸምቢረ፡ ሃንደበት’ውን ነብሰይ ኣብ ልዕሊ መኪና ደይባ ረኺበያ፡ መን ናብታ መኪና ኣደይቡኒ’ውን ኣይዝክሮን እየ’። ሃንደበት ነታ ‘ጥይት ኣይቀትልን እዩ፡ እንታይ ደኣ ስቕታ ኣህቢ እዩ ዝቐትል’ እትብል ግጥሚ ክደጋግማ ጀሚረ’፡ ህዝቢ ድማ ኣብ ጎደናታት ዝነበረ ኩነታት እትገልጽ ኮይና ስለ ዝረኸባ ፈትይዋ’ ምሳይ ክጭርሓ ጀሚሩ ትብል።
ዓላ ሳላሕ ድሕር’ዚ ኣጋጣሚ ፈጺሙ እዩ ሂወታ ተቐይሩ፡ ሓንቲ ካብኣተን ዓሰርተታት ኣሽሓት ኣብ ጎደናታት ብምውጻእ ድምጸን ዘስመዓ ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ዘይኮነ ምስሊ ናይ መላእ እቲ ዝካየድ ዝነበረ ሰውራ ብምኳን ብትብዓት ኣብ ቅድሚ ዘይፍትሓውነት ደው ኢላ ህቡብነት ድማ ኣጥርያ።
ኣብ ጎደናታት ካርቱም ወጺእካ ሰላማዊ ሰልፊ ምክያድ ቀሊል ኣይነበረን፡ ምኽንያቱ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ማህረምቲ ይካየድ፡ መንብዒ ጋዝ ይንፋሕ፡ ከምኡ’ውን ጠያይት ይትኾስ ብምንባሩ። ኣብዚ መስርሕ ድማ ብድምር ኣስታት 130 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ ዓሰርተታት ኣማኢት ድማ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም እዮም።
ብዝወሰደቶ ተባዕ ስጉምቲ ‘እመቤት ሓርነት’ (Lady liberty) ዝብል ሳጓ ዝተጠመቐት ዓላ ሳላሕ፡ ነቲ ኩነታት ክትገልጾ እንከላ፡ ‘ህዝቢ ሱቕ እንተኢሉ ጥራይ እዩ ብዓመጽቲ ዝቕተል፡ ብሓባር እንተተሲኡ ግን ዝዓግቶ ዝኾነ ይኹን ሓይሊ የለን’ ትብል።
ዓላ ሳላሕ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰል ደቂ ኣንስትዮ እያ፡ ንሳ ኣቐዲማ ድሕሪ ምውዳቕ ኣልበሺር ኣባላት ሰራዊትን ሲቪል በርጌስን ስልጣን ተመቓሪሖም ኣብ ዝመስረትዎ ልፍንታዊ መንግስቲ ማዕረ ተሳታፍነት ደቂ ኣንስትዮ ክህሉ ትጽውዕ ኔራ። እንተኾነ እዚ ክዉን ክኸውን ብዘይምኽኣሉ ነዚ ንምርግጋጽ ሕጂ’ውን ቃልሳ ኣብ ምቕጻል ትርከብ።
ዓላ ሳላሕ ንተለቪዥን ፍራንስ 24 ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ዑመር ኣልበሺር ካብ ስልጣን ኣብ ምእላይ ኣብ ዝተገብረ ናይ ለውጢ ሰውራ ካብ ዝተሳተፉ ሰልፈኛታት እተን 60 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ ከምዝነበራ ብምሕባር ኣብዚ ሕጂ ዘሎ መንግስቲ ይኹን ኣብ መጻኢ ኣብ ኩሉ ጽላታት መንግስቲ ማዕረ ተሳታፍነት ክህልወን ኣለዎ ትብል። እዚ ሕጂ ተመስሪቱ ዘሎ መንግስቲ ግን 20 ሚእታዊት ቦታ ጥራይ ንደቀንስትዮ ሂቡ ከምዘሎ ድማ ትሕብር።
ዓላ ሳላሕ፡ ደቂ ኣንስትዮ መሰረታዊ ለውጢ ከምጽኣ እንተኽኢለንን ዓንዲሕቖ ሕብረተሰብ እንተደኣ ኮይነንን ንምንታይ ኣብ ውሳኔን መሪሕነትን ሃገር ማዕረ ቦታ ዘይወሃበን? ብምባል ሱዳን ኣብዚ ሕጂ እዋን እትሰግሮ ዘላ መስርሕ ምስግጋር ብዙሕ መሰናኽላት’ኳ እንተሃለዋ፡ ሓደ ካብ ቀዳምነታት ክወሃቦ ዘለዎ ግን ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ከምዝኾነ ትገልጽ።
ንሳ፡ ‘ኣንስታያዊ’ (Feminist) ስምዒት ስለ ዘለዋ ጥራይ ዘይኮነት ንደቂ ኣንስትዮ ትጣበቕ ኣብ ሃገራ ሱዳን መሰረታዊ ምጉዳል ሰብኣዊ መሰል ምህላዉ ከምዝኾነት፡ እዚ ድማ ብፍላይ ኣብተን ኣብ ኩሉ መዓልታዊ ንጥፈታት ሕብረተሰብ ዝዋስኣ ደቂ ኣንስትዮ ጎሊሑ ዝርአ ብምኳኑ ኣተኩሮ ክትገብረሉ ከምዝቐሰባ ትሕብር። ትምህርቲ ኣገዳስን መሰረታዊ ሕቶን ብምኳኑ ድማ ዝያዳ ክትሰርሓሉ እትደሊ ዓውዲ ከምዝኾነን ደቀንስትዮ ክመሃራ ክትጽዕር ከምዝኾነት ወሲኻ ትገልጽ።
ዓላ ሳላሕ ካብ እስላማዊ ድሕረ ባይታ ዘለዎ ስድራቤት እያ ተወሊዳ፡ ኣብ ሱዳን ድማ ደቂ ኣንስትዮ ማዕረ ደቂ ተባዕትዮ ክዛረባ ብባህሊ’ውን ልሙድ ኣይኮነን፡ ብዛዕባ’ዚ ክትገልጽ እንከላ ድማ ‘ኣዝየ ዕድለኛ እየ ስድራቤተይ ብጣዕሚ እዮም ዝሕግዙኒ ብፍላይ ድማ ኣቦይ ኣዝዩ እዩ ዝድግፈኒ’፡ ‘ኣቦይ ኣብ ሂወተይ ብዙሕ መሰናክላት ክገጥሙኒ ምኳኖም ይነግረኒ ኔሩ፡ ዘይፍትሓዊ ነገር እንተርእየ ድማ ኣንጻሩ ደው ክብል ይመኽረኒ ኔሩ’ ትብል። ምኽንያቱ ፍትሒ ኣብ ዘይብሉ ዓይንና ክንዕመት የብልናን ኣንጻሩ ደው ክንብልን ክንዛረብን ይግባእ ብምባል ድማ ትገልጽ።
ኣብ 2018 ፕረዚደንት ዑመር ኣል በሺር ኣብ ፊኖ ዝገብሮ ዝነበረ ድጎማ ድሕሪ ብምእላዩ ናይ ባኒ ዋጋ ወሲኹ፡ ነዚ ንምቅዋም ድማ ሰላማዊ ሰልፊ ክካየድ ጀሚሩ። ተሳትፎ ህዝቢ ኣብቲ ሰልፊ እናዓበየ ድሕሪ ምምጽኡ ድማ ጠለብ ህዝቢ ናብ መበቆላዊ ለውጢ ናብ ዲሞክራሲ ተቐይሩ። ንኣስታት 30 ዓመታት ንሱዳን ዝመርሐ ውልቀመላኺ ዑመር ኣልበሺር ድማ ብድምጺ ህዝቢ ካብ ወንበረ ስልጣኑ ተኣልዩ።
ኣብ መስከረም 2019 ብዝተበጽሐ ስምምዕ ኣብ መንጎ ሰራዊትን ሲቪልን ናይ ስልጣን ምርቕቓሕ ምስምማዕ ተጌሩ ዓብደላ ሓማዶክ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ናብ ስልጣን ደይቡ።
ሱዳን ሓያሎ ልውጥታት ኣተኣታትያኳ እንተሃለወት ዛጊት ዝተርፋ ብዙሕ ከምዘሎ እዮም ከም ዓላ ሳላሕ ዝኣመሰሉ ተቓለስቲ (activist) ዝገልጹ።
ዓላ ሳላሕ ኣብ ዝሓለ 30 ዓመታት ዝነበረ ብልሽውናን ዝፈረሰ ቁጠባን ዝሰንከለ ምሕደራን ንእለቱ ክቕየር ዘይክእ’ኳ እንተኾነ ኣብ ቀረባ መጻኢ ግን እታ ክነብርዋ ዝደልዩ ዝሓልሙዋ ነጻን ዲሞክራስያዊትን ሱዳን ክሰርሑ ተበጊሶም ከምዘለዉ ወላ’ውን ንሶም ክነብርዋ እንተዘይበቕዑ ንመጻኢ ወለዶ በሪ ክኸፍቱ ምኳኖም ዘለዋ ተስፋን ራእን ገሊጻ።
(ምንጪ ራድዮ ኤረና)