ናብ እስራኤል ወዲ 12 ዓመት ኮይኑ በይኑ ዝኣተወ ኣብዚ ሒጂ እዋን ኣብ ናይ ነዊሕ ርሕቀት ጉያ ውድድር ዝሳተፍ ዘሎ ኤርትራዊ ሓታቲ ዑቅባ ኣትሌት ተኽለወይኒ ገብረየሱስ ካብ እስራኤል፡ ንጋንታ ስደተኛታት ብምውካል ኣብ ቶክዮ ጃፓን ካብ 23 ሓምለ ክሳብ 8 ነሓሰ ኣብ ዝሰላሰል ውድድራት ክሳተፍ ዕድል ረኺቡ ምሕላዉ ኣብ ናይ ውልቁ ፌስቡክ ገጽ ኣብ ዝለጠፎ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
ኣትሌት ተኽለወይኒ ገብረየሱስ ኣብ እስራኤል ኣብ ዝተፈላለየ ውድድራት ጉያ እግሪ ክገብር ዝጸንሐ ምዃኑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ናይ 3000, 5000ን 10,000ን፡ ኣብ ናይ ክልቲኡ ናይ ማራቶን ውድድራት ዝወዳደር ኮይኑ። ኣብዚ ሒጂ እዋን ምስ ካብ ዳርፉር ዝመጸ ሓታቲ ዑቅባ ብምዃን ኣብዚ ውድድራት ክሳተፉዮም።
ኣትሌት ተኽለወይኒ ኣብዚ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ዝኽፈት ውድድራት ማራቶን ቶክዮ ንምስታት ዘኽእሎ ግዜ ብምምዝጋቡ ናይ መጀምርታ ኣትሌት፡ ንምስታፍ ዝበቅዕ ግዜ ዘመዝገበ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ 2019 ኣብ ቀጠር ዶሓ ዝተኻየደ ውድድራት ቻምፕዮን ዓለም(world championship) ክሳተፍ በቂዑ ምንባሩ ይሕበር። ብተወሳኺ ኣብ 2020 ኣብ ፖላንድ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ምስ ጋንታ ስደተኛታት ኮይኑ ክሳተፍ ዕድል ረኺቡ ኡኳ እንተነበረ ብሰንኪ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሓተቲ ዑቅባ እትኽተሎ ፖሊሲ፡ ክሳተፍ ኣይክኣለን። ኣብ እስራኤል ኣብ ጥሪ 2020 ኣብ ዝተገብረ ናይ እስራኤል ማራቶን ውድድር ቀዳማይ ብምዃን ዝተዓወተሉ ሓዊስካ፡ ካልኦት ናይ ነዊሕ ርሕቀትን ብዙሕ ዓወታት ጽቡቅ ውጽኢት ከመዝግብ ዝጸንሐ ምዃኑ ይሕበር።
ብተወሳኺ ክልተ ኤርትራውያን ኣትሌታት ካብ ስዊዘርላንድ ንጋንታ ስድተኛታት ብምውካል፡ ኣብ እግሪ ጉያን፡ ጨመተ ቶኽስን ክሳተፉ ምዃኖም ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ዘቕረብናዮ ዜና ገሊጽና ምንባርና ይዝከር።