back to top
ሰኑይ 24 ለካቲት, 2025

ሄኖክ ሙሉእብርሃን ደጊሙ ብሉጽ ውጽኢት ኣመዝጊቡ

ምስ ስዊዘርላንዳዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኲቤካ ኣሶስ (team Qhubeka Assos) ጸወትኡ ዘሰላስል ዘሎ ሄኖክ ሙሉብርሃን፡ ኣብ ጣልያን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ቅድድም ብሽክለታ፡ ብ 6 ሰነ  ኣብ ዝወዓለ ናይ ግዜ ውድድር (ክሮኖ ሜተር) መበል ሻድሻይ ተርታ ብምሓዝ ብሉጽ ውጽኢት ኣመዝጊቡ።

ሄኖክ ሙሉእብርሃን ኣብ ካልኣይ መድረኽ ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ዝበለጸ ውጽኢት ኣመዝጊቡ ምንባሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ክሳብ ሒጂ ኣብ ኣርባዕተ መድረኻት ብዝኣከቦ ግዜ ኣብ መበል ሓሙሻይ ደረጃ ተሰሪዑ ንዝመጽእ መድረኽ ክኣቱ ምዃኑ ይፍለጥ።

ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻት ጸወትኦም ዘካይዱ ዘለዉ 10 ፕሮፈሽናላት ተቀዳደምቲ ብሽክለታ፡ ምስ ጋንታታቶም ጽቡቅ ውጽኢት የመዝግቡ ምህላዎም ይሕበር።
ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ዝተዛዘመ ሓደ ካብ ዝዓበየ ውድድራት ዝኾነ ጂሮዲ ኢታሊ፡ ኣማንኤል ገብረዝጋብሄር ብሉጽ ውጽኢት ከምዘመዝገበ ይፍለጥ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles