back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ሄኖክ ሙሉእብርሃን 3ይ ደረጃ ብምሓዝ ብሉጽ ውጽኢት ኣመዝጊቡ

ኣብ ጣልያን ዝካየድ ዘሎ ካልኣይ መዓልቱ ኣቑጺሩ ዝርከብ ዙር ጣልያን ትሕቲ 23 ዓመት፡ ኣብቲ ውድድር ምስ ጋንታ ኲቤካ (Team Qhubeka) ኮይኑ ዝወዳደር ዘሎ ሄኖክ ሙሉብርሃን ኣብ ካልኣይ መድረኽ ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ብሉጽ ዓወት ኣመዝጊቡ ይርከብ።

ሄኖክ ሙሉእብርሃን ውድድር ሕደት ኪሎሜተራት ክተርፎ ከሎ፡ ካብ ዓባይ ጉጅለ ብምህዳም መስመር ሕንጻጽ መዛዘሚ ሳልሳይ ኮይኑ ክረግጾ ከምዝኽኣለ ካብቲ ውድድር ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።

እዚ ኣስታት 140 ኪሎሜተር ዝሸፈነ ውድድር፡ ሰለስተ ደቂ ጋንታ፡ ንቐዳማይ ካልኣይን ራብዓይን ደረጃ ከምዝበሓትዎ ይፍለጥ።

ኣብ ዝተፈላለየ ውድድራት ምስ ጋንታታቶም ኮይኖም ዝሳተፉ ዘለዉ ኤርትራውያን ፕሮፈሽናላት ተቐዳደምቲ ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻት ጽቡቅ ውጽኢት የመዝግቡ ከምዘለዉ ይሕበር። ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ትርከቦም 10 ኤርትራውያን ፕሮፈሽናላት ኣብ ዓበይቲ ዙራትን ውድድራትን እሳተፉ ምህላኦም ብተወሳኺ ይፍለጥ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles