ማዕከን ዜና ኣልጀዚራ ንወተሃደራዊ ሓላፊ ሱዳን ብምጥቃስ ብ 2 ሰነ ከምዝጸብጸበቶ፡ እቲ ኣብ ግዜ ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር፡ ምምስራት መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ሩስያ ኣብታ ሃገር ኣመልኪቱ ንዝተበጽሐ ስምምዕ ዳግመ ምርምር ይግበረሉ ከምዘሎ ተሓቢሩ። እዚ ዳግመ ምርምር ንረብሓ ናይ ሱዳን ንምውሓስ ዝዓለመ ከምዝኾነ ወተሃደራዊ ሓላፊ ሱዳን ጀነራል ሙሓመድ ዑስማን ኣል-ሑሴን ምስ ብሉ ናይል ዝተባህለት መደበር ተለቪዥን ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ ብምጥቃስ ኣልጃዚራ ኣብ ጸብጻብ ኣስፊራ።
ልኡኽ መንግስቲ ሩስያ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ሱዳን ምብጻሕ ኣካይዱ ከምዝነበረ ብማዕከናት ዜና ሱዳን ተገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ “ነዚ ስምምዕ ረብሓ ሃገርና ንምውሓስን መኽሰብና ኣብ ግምት ብምእታውን ዳግማይ ናይ ምርኣዩ ተኽእሎ እንተሎ ንመያየጥ ኣለና” ክብል እቲ ወተሃደራዊ በዓል ስልጣን ሱዳን ሓቢሩ።
እዚ ኣብ ሞንጎ ሱዳንን ሩስያን፡ ኣብ ፖርቲ ሱዳን መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ሱዳን ምቛም ብዝተበጽሐ ስምምዕ መሰረት፡ ሩስያ ኣብ ሱዳን 300 ወተሃደራትን 4 ወተሃደራውያን መራኽብን ሓንቲ ካብኣተን ድማ ብኒክሌር ትሰርሕን ከተስፍርን ከምዝኾነት ይሕበር። እዚ ስምምዕ ን 25 ዓመታት ዝጸንሕ ኮይኑ፡ ክልቲአን ሃገራት ዝኾነ ተቋውሞ እንተዘይኣርእየን እቲ ስምምዕ ን ተወሳኺ 10 ዓመት ክናዋሕ’ውን ዝኽእል ምዃኑ ይሕበር።
ሱዳን ምስ ምዕራብ ዝነበራ ዝምድና ድሕሪ ምውራድ ዑመር ኣልበሽር ይምሓየሽ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሱዳንን ግብጽን ሓበራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ን ሽዱሽተ መዓልታት ድሕሪ ምክያድ ብ 31 ግንቦት ከምዝዛዘማ ማዕከት ዜና ዓለም ብሰፊሑ ሓቢረን ከምዝነበራ ይዝከር።
ብዘይካ’ዚ ብሰንኪ ኢትዮጵያ ሃኒጻቶ ዘላ ሓጽቢ ኣባይ ኣብቲ ዞባ ሓዊስካ ዲፕሎማስያ ወጥሪ ሰፊኑ ዝርከብ ኮይኑ፡ ኣብ ሞንጎ ሱዳን ኢትዮጵያን ዶባዊ ምስሕሓብ ከምዘሎ እዚ ድማ ምስቲ ካልእ ኮነታት ተደሚሩ ኣብቲ ዞባ ጸጥታዊ ስግኣት ፈጢሩ ከምዘሎ ተዓዘብቲ ይገልጹ።
ሱዳን ምስ ኣሜርካ ዘለዋ ዝምድና ኣብ ዝመሓየሸሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣሜርካ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበራ ዝምድና ይዝሕትል ብምህላዉ፡ ሱዳን ነዚ ዕድል ብምጥቃም ምስ ኣሜርካ ሽርክነት ክትገብር ከምእትኽእል ይግመት።