ሰሉስ, ሚያዝያ 29, 2025

ሰራዊት ኤርትራ ካብ  ትግራይ ክወጽእ ከምዝጀመረ ተሓቢሩ

ሰራዊት ኤርትራ ካብ ክልል ትግራይ ክስሕብ ከምዝጀመረ ኣፈኛ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢ ኣሕመድ፡ ብሌኔ ስዩም ፡ ብሓሙስ 3 ሰነ  2021 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢራ።

መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ስጉምቲ ንዝኽወስድ ዝደረኸ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራዊት ኤርትራ  ንክወጽእ ጻውዒት ድሕሪ ምግባሩ ምዃኑ ኣፈኛ ብሌኔ ስዮም ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጣ።

እዚ ሰራዊት ናይ ምስሓብ ስጉምቲ ድሕሪ ናይ ሸውዓተ ኣዋርሕ ረጽሚ ኲናት ኣብ ትግራይ ካብ ዝጅምር ይካየድ ምህላው ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ዛጊት መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ናይ ሰራዊት ምስሓብ ዝምልከት ይኹን፡ ንህላወ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ክልል ትግራይ ን ካልእ ክፋላት ኢትዮጵያን ብወግዓዊ ዝሃቦ መግለጺ ከምዘየለ ይፍለጥ።

ከምዝዝከር ኣብ መፋርቕ ግንቦት: ሓለቃ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኢታማጆር ሹም ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ወግዓዊ ደብዳበ፡ ናብ መዘንኡ ሓለቃ ስታፍ ምክልኻል ሰራዊት ኤርትራ ከምዝሰደደ ሓቢርና ምንባርና ዝፍለጥ ኮይኑ፡ መልእኽቲ ደብዳቢኡ ንመራሕቲ ኤርትራ ሰራዊቶም ምሉእ ብምሉእ ካብ መሬት ኢትዮጵያ ንክስሕቡ ዝሓትት ምንባሩ ይሕበር።

እቲ ብኢትዮጵያ ናብ መራሕቲ ሰራዊት ኤርትራ ዝቐረበ ሕቶ ምስሓብ ስራዊት ድሕሪ እቲ ብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ ዝወጸ መግለጺ ኮይኑ፡ ነቲ ኣብ ትግራይ ብሰፊሕ ዝለሓመን ሞትን ምዝንባልን ብዙሓት ዘስዓቦ ግጭት ምርኩስ ብምግባር፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ ቁጠባዊ እገዳ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ፡ ናይ ቪዛ እገዳ ኣብ ሰበስልጣን ኤርትራን ህወሓትን ስጉምቲ  ድሕሪ ምውሳዳ ከምዝነበረ ይፍለጥ።

እዚ ጌና ዝቅጽል ምህላው ዝንገረሉ ኲናት ኣብ ትግራይ፡ ኣብ ሕዳር 2020 ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢ ኣሕመድ ንህወሓት ወተሃደራዊ መዓስከር ኣጥቂዖም ድሕሪ ምባል ዝተላበዐ ውግእ ኮይኑ፡ ብኣሻሓት ዝቁጸሩ ንጹሃን ዜጋታት ሞይቶም፡ ቆሲሎምን ካብ ንቡር መነባብሮ ተመዛቢሎምን ከምዝርከቡ ጸብጻባት ሰብኣዊ ትካላት ይሕብር።

SETIT
SETIThttps://www.setit.org
Setit is an independent news organization based outside Eritrea established in August 2020, with a steadfast commitment to the people and issues of Eritrea. Our team of seasoned Professionals are dedicated to providing in-depth, insightful, and impactful coverage of Eritrea and its related issues, illuminating the complex and dynamic world of Eritrea for our readers.

ተዛማዲ ትሕዝቶ

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ማሕበራዊ መራኸቢ

7,388FansLike
959FollowersFollow
23,400SubscribersSubscribe

ካልእ ኣበርኪቶ ጸሓፊ