ነዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት መንግስቲ ኣብ ምቛም ክትሽገር ዝጸንሐትን፡ 4 ግዜ ተኸታታሊ ምርጫ ዘካየድትን እስራኤል፡ ብ 2 ሰነ 2021 ብ ያኢር ላፒድ ዝምራሕ ኣንጻር ዕብለላ ቀዳማይ ሚንስተር እስራኤል በንጃሚን ነታንያሁ ክምጐት ዝጸንሐ ናይ ለውጢ ምትእኽኻብ (Change block) መንግስቲ ከቅውም ምስ ኩለን ልፍንታውያን ስለፍታት ከምዝተሰማምዐ፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ከምዝገለጸ ካብታ ሃገር ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።
ካብ 1995 ድሕሪ ቅትለት ቀዳማይ ሚንስተር እስራኤል ይስሓቅ ራቢን፡ ዓብላሊ ቦታ ብምሓዝ ንስልጣን ቀዳማይ ሚንስተር ብሒትዎ ዝጸንሐ በንጃሚን ነታንያሁ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብጉዳይ ብልሽውና፡ ጉቦን ምጥፍፋእን ክኽሰስ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ካብ 2019 ጀሚሩ ነዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት፡ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫታት፡ ኣርባዕተ ግዜ ብዝሕ ዝበለ ካብ መናብር ባይቶ እታ ሃገር ኡኳ እንተረኸበ፡ ብልፍንታዊ ኣገባብ መንግስቲ ከቅውም ከምዘይክኣለ ይሕበር።
ኣብ 2020 ወላ ኡኳ ምስ ካኾል ሌቫን ዝተባህለ ሰልፊ ብምልፋን መንግስቲ ከቕውም በቒዑ ኡኳ እንተነበረ ብሰንኪ ዝተፈጥረ ዘይምስምማዕ፡ ድሕሪ ሓጺር ግዜ መንግስቲ እታ ሃገር ክፈርስ ምኽኣሉ ይፍለጥ።
ኣብዚ ሒጂ ዝቐውም መንግስቲ ኣብ ዝተፈላለየ ኣረኣእያታት ዝቖሙ ሰልፍታት ልፍንቲ ይገብሩ ምስ ምህላዎም፡ ኣብ ጉዑዞ ዘይምስምማዕ ከይፍጠር ስግኣት ከምዘሎ ይሕበር። ነዚ መንግስቲ ኣብ ምቛም ኣብ ቅድሚት ካብ ዘለዉ መራሕቲ ሰልፍታት፡ ኔፍታሊ ቤነት፡ ኣይለት ሼክድ፡ ያኢር ላፒድ፡ ኣቪጎደር ሊበርማን፡ ጊድኦን ሰኣርን ቤኒ ጋንጽን ዝለዓለ ስልጣን ክማቐሉ ምዃኖም ይሕበር።
ነዚ ሒጂ ዝቐውም መንግስቲ ከም ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ንቀዳማይ እብረ ክመርሕ ተወጢኑ ዘሎ ካብ ሰልፊ የሚና ዝኾነ ነፍታሊ ቤነት፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኣብ መንግስቲ ዘይምስምማዕ ካብዘይነበሮም ፖሎቲከኛታት ብምዃኑ፡ ነዚ ሒጂ ዝቐውም መንግስቲ ክሳብ ክንደይ ግዜ ከጽንሖዩ ዓቢ ስግኣት ምዃኑ ብሰፊሑ ይሕበር።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ እስራኤል ዘለዉ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቅባን ጽቡቅ ኣረኣእያ ዘይብሎምን፡ ካብታ ሃገር ንምጥራዞምን ክሰርሑ ዝጸንሑ ኣይለት ሸክድ፡ ነፍታሊ ቤነትን ጊዶኦን ሰኣርን፡ ኣብዚ ዝቐውም መንግስቲ ኣብ ቅድሚት ካብ ዘለዉ ሰበስልጣናት ብምዃኖም፡ ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ሓተቲ ዑቅባን ስደተኛታት ዓቢ ስግኣት ከምዘለዎም ይጠቅሱ ኣለዉ። ኣብ 2018 ምስ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት(UNHCR) ቀዳማይ ሚንስተር እስራኤል ኣብ ዝኸተሞ ስምምዕ፡ እዞም ሰለስተ መራሕቲ ነቲ ስምምዕ ብምቑዋም ከምዘሰዘረዝዎ ይዝከር። ኣብታ ሃገር ኣስታት 23 ሽሕ ኤርትራውያን ሓተቲ ዕቑባ ምህላዎም ይሕበር።
ባይቶ እስራኤል 120 ወናብር ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣብ ምርጫ ዝለዓለ ወናብር ካብ ዝረኸቡ መንግስቲ ናይ ምቛም ዕድል ብምውሃብ ልፍንታዊ መንግስቲ ከቑሙ ይፍቀዶም።