ብ28 ግንቦት ፕረዚደንት ኢራን ሓሰን ርሓኒ ናብ መዝንኡ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ሳህለ ወርቅ፡ ብምኽንያት ዝኽሪ ምእላይ ስርዓት ደርግ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሰደደ ናይ እንቋዕ ኣብጸሓኩም መልእኽቲ፡ ኢራን ምስ ኢትዮጵያ ጥቡቅ ዝኾነ ዝምድናን ምሕዝነትን ክህልዋ ከምእትደሊ ፕረዚደንት ሓሰን ርሓኒ ኣብ ደብዳቤኡ ገሊጹ ክትብል መርበብ ሓበሬታ ታስኒም ኒውስ ኣፍሊጣ።
ሓሰን ርሓኒ ኣብ ደብዳቤኡ መበል 50 ዓመት ርክብ ኢራንን ኢትዮጵያን ብካልእ ተወሳኺ፡ ስምምዕ ንግዳውን ቁጠባው፡ ዝምድናታት ተወሲኽዎ ክርኢ ተስፋ ከምዘለዎ ገሊጹ።
ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳያት ርኡይ ውድቀት ዘጋጥማ ዘሎ ኢትዮጵያ፡ ንኣስታት 100 ዓመት ክኸይድ ዝጸንሐ ሽርክነት ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝተፈጥረ ጎንጺ፡ ከንቆልቁል ምኽኣሉ፡ ኣውራ ተጻባእቲ ኣሜርካ ምዃነን ዝንገረለን ሩስያን ኢራንን ቻይናን ዝምድንአን ምስታ ሃገር ንምሕያል ይሰርሓ ምህላወን ይሕበር።
ንኣስታት ሓደ ዘመን ቀንዲ መሓዛን መሻርኽትን ኣሜርካ ኮይና ዝጸንሐት ኢትዮጵያ፡ ኣትያቶ ዘላ ከቢድ መድረኽ ምስ ኣሜርካን መሓዙታን ኣብ ዝነበረን ርክብ ከየባትኻ ስግኣት ኣሕዲሩ ምህላዉ ይፍለጥ። ኣሜርካ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ጀሚራ ኣብ ትግራይ ተኸሲቱ ዝርከብ ቅልውላው ክውዳእ ክትሓትት ድሕሪ ምጽንሓ ኣብዚ ቀረባ እዋን ንሰበስልጣናት ኢትዮጵያ ኤርትራን፡ ንትግራይ ዝመርሕ ዝነበረ ህወሓትን ናይ ቪዛ እገዳ ከምዘንበረት ይፍለጥ።