back to top
ሰኑይ 24 ለካቲት, 2025

ኲናት ትግራይ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዲፕሎማስያዊ ስዕረት የጋጥሞ

ኲናት መወዳእትኡ ዕንወት እዩ፡ ኲናት መጀመርታ ኣብ መንጎ ኣንጻር ወገናት ዝካየድ ስዓራይን ተሰዓራይን ዘለዎ እዩ ዝመስል፡ ዝሰዓረ ወገን’ውን ንግዚኡ ስዒረ ኢሉ ክሕጎስ ይኽእል እዩ ስዒረ ክብል’ውን ይርአ እዩ፡ ኲናት ኣብ ዝካየደሉ እዋን ብኩሎም ዝሳተፍዎ ወገናት ሞት፡ ስንክልናን ብርሰትን ከምዘውርድ ርዱእ ኮይኑ ንዕኡ ተኸቲሉ ኣብ ህዝቢ ዝስዕብ ራዕዲ፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ፡ ዓመጽ፡ ዘይምርግጋእ፡ ብቐሊሉ ኣይፍወስን እዩ።

ኲናት ትግራይ ወተሃደራዊ ግጭት ጥራይ ኣይኮነን፡ ነዊሕ ዝተጓዕዘ ናይ ስነ ሓሳብ ፍልልይ ኣብ ርእሲ ምጽንሑ ዓሌታውነት ተሓዊስዎ ክካየድ ዝጸንሐን ዝካየድ ዘሎን ብምኳኑ እሞ ድማ ሰላማዊ ህዝቢ ተጎዲኡ ብምህላዉ፡ ወላ’ውን ኲናት ደው እንተ ኢሉ ዘስዕቦ ጽልዋን ስምብራትን ኣብ ሓጺር እዋን ክውዳእን ክርሳዕን ይኽእል እዩ ኢልካ ምሕሳብ ኣብ ዘይከኣለሉ ደረጃ በጺሑ ኣሎ።

ብ28 ሕዳር ርእሰ ከተማ ክልል ዝኾነት ከተማ መቐለ ብሰራዊት ሓይልታት ምክልኻልን ተሓባበርቱን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ድሕሪ ምእታዋ ኲናት ትግራይ ብዓወት ከምዝተዛዘመ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ’ኳ እንተገለጸ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝወረደ ሕንሕነ ግን ሽዑኡ እዩ ጀሚሩ።

ኲናት ትግራይ ብሽም ‘ሕጊ ምኽባር’ ‘ጸጥታ ሃገር ንምውሓስን’ ዝጀመረን ኣብ ሓጺር ግዜ ክውዳእ ዝተባህለን ብምንባሩ ሓያሎ ሃገራት ብፍላይ ድማ ጸቕጢ ክገብራ ዝኽእላ ጽልዋ ዘለወን ነቲ ኲናት ደው ንምባል ኣመልኪተን ስግኣተን ካብ ምግላጽ ሓሊፈን ዝኾነ ጸቕጢ ክገብራ ኣይተራእያን።

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ኲናት ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን ከም ‘ሮይተርስ’ ‘ቢቢሲ’ ዝኣመሰላ ማዕከናት ዜና ዓለም፡ ትካላት ረዲኤትን ሰብኣዊ መሰላትን፡ ‘ክራይስስ ግሩፕ’ ዝበሃለ ንቕልውላው ዝከታተል ጉጅለን ካሎትን ካብ ክልል ትግራይ ክወጺ ኣዚዙ ኔሩ። ኲናት ምስ ጀመረ’ውን ነቲ ኲናት ክጽብጽባ ንዝፈተና ማዕከናት ዜና ፍቓድ ምሃብ ኣብዩ።

ፈደራላዊ መንግስቲ ብተወሳኺ ኣብታ ክልል መስመር መራኸቢ ተሌፎን ቆሪጹ፡ መርበብ ሓበሬታ ኢንተርነት ከልኪሉ፡ ምትሕልላፍ ገንዘብ ባንክ ደው ኣቢሉ፡ ካብን ናብን ዝግበር ናይ ኣየርን መኪናን መጓዓዝያ ዓጊቱ ብምንባሩ ብብዙሓት ተዓዘብቲ ‘ድሕሪ ዕጹው ማዕጾ እንታይ ይካየድ ኣሎ?’ ኢሎም ክሓቱን ክተራጠሩን መገዲ ከፊቱ።

እቲ ሓጺር ዝተባህለ ኲናት ግዜ ምስ ምብልዑ ኣብ እዝኒ ማሕበረሰብ ዓለም ብሰፊሑ እናበጽሐ ድሕሪ ብምምጽኡ ብኡ መጠን ዝኹንናኦ ሃገራት፡ ትካላት ሰብኣዊ መሰላትን ማሕበራትን እናዓበያ መጺአን።

ወረታት ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ጸወታዊ ዓመጽ ኣሻቒሉ፡ ጥሜት ከም መሳርሒ ኲናት ብምጥቃሙ ብሓያሎ ተኾኒኑ፡ እዚ ድማ ኣብ መዳይ ዲፕሎማሲን ሞራልን ንኢትዮጵያ ክሳራ ኣኸቲሉላ።

ብፍላይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን፡ ሃገራት ኤውሮጳ ብውልቅን ብመገዲ ሕብረተንን ብተደጋጋሚ ነቲ ኲናት ኮኒነነኦን፡ ኣብ ኲናት ዝካየደሉ ከባቢታት ማሕበራት ተራድኦ ክኣትዋ ጻውዒት ኣካይደንን።

እተን ሃገራት ብተወሳኺ ኣብ ኩናት ኢዱ የእትዩ ዝነበረ መንግስቲ ኤርትራ ሰራዊቱ ክስሕብ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ነቲ ኲናት ከተሃዳድእ፡ ፍሉይ ሓይሊ ሰራዊት ኣምሓራን ሚሊሻን ካብ ትግራይ ክስሕብን ብተደጋጋሚ ጻውዒት ኣቕሪበን።

እንተኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ሃገሩ ናይ ካልኦት ሃገራት ምትእትታው ከምዘይቅበል እዩ ክገልጽ ጸኒሑ። እቲ መንግስቲ ነዚ ክገልጽ ዝጸንሐ ግን ሰራዊት ግዳማዊት ሃገር ኤርትራ ኣብ መሬቱ ኣትዩ እናሃለወ እዩ።

ዝሓለፈ ወርሒ 23 ምያዝያ 15 ሃገራት ዝኣባላቱ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጸኦ ሓባራዊ መግለጺ፡ ኲናት ትግራይ ዘስዓቦ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላትን ግፍዕን ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ዝወረደ ጽወታዊ ዓመጽ ኣዝዩ ከምዘተሓሳሰቦን ዘሻቐሎን ገሊጹ ኔሩ።

ባይቶ ጸጥታ ነቲ ብሃገረ ኣየርላንድ ዝቐረበ ንድፊ ኣብ ዝጽደቐሉ እዋን ብተወሳኺ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ተኻይዱ ዝተባህለ ገበንን ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላትን መርመራ ተኻይዱ ኩሎም ኣብቲ ገበን ዝተሳተፉ ናብ ሕጊ ክቐርቡ ጸዊዑ።

ጸሓፊ ተራድኦ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ማርክ ልውኮክ ናብ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ብወገኑ፡ ሰብኣዊ ቅልውላው ትግራይ ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝበኣሰ የምርሕ ከምዘሎ፡ ረዲኤት ናብ ዝተጎድአ ህዝቢ ንምብዓሕ መሰናኽላት ይገጥሞ ብምህላዉ፡ ሰባት ብጥሜት ይሞቱ ከምዘለዉ ብምግላጽ ፥ ብጉጅለ ኮንካ ደቂ ኣንስትዮ ምዕማጽ ልሙድ ኣብ ልዕሊ ምኳኑ ክሳብ ደቂ 8 ዓመት ህጻናት ኣዋልድ ግዳያት ይኾና ከምዘለዋ ሓቢሩ ኔሩ። ንሱ ብተወሳኺ ኩሎም ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ ዘለዉ ወገናት ኣብ ምህዳእ እቲ ኩነታት ክዋስኡ ጸዊዑ።

ኣምባሳደር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ ብወገና፡ ‘ሂወት ኣፍሪቃውያን ኣየገድስን ድዩ ኮይኑ’? ኢላ ብምሕታት ንምንታይ ባይቶ ጸጥታ ከምቲ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሃገራት ዝገብሮ ሓባራዊ ኮናኒ መግለጺ ብምውጻእ ስጉምቲ ዘይወስድ ብምባል ሕቶ ኣቕሪባ ኔራ።

ኣምባሳደር ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ ኣፍሪቃዊት ኣመሪካዊት እያ፡ ንሳ ነዚ ዝገለጸት ኣቐዲመን ሩስያን ቻይናን ባይቶ ጸጥታ ኣብ ሓባራዊ ስምምዕ ክበጽሕ ተቓዊመን ብምንባረት ግን ከኣ ኣብ ጉዳይ የመንን በርማን ተሰማሚዐን ብምንባረን እያ ‘ንምንታይ ኣብ ኣፍሪቃ ክበጽሕ ኣብ ስምምዕ ዘይብጻሕ’ ብዘስምዕ ተቓዉሞኣ ሂባ ዝነበረት።

እንተኾነ እዚ’ውን ብተልእኾ ኢትዮጵያ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተነጺጉ። እቲ ተልእኾ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ‘እቲ ሕጊ ናብ ይምኽባር ስርሒት ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ከምዝኾነ፡ ዝወርድ ሰብኣዊ በደላት ድማ እታ ሃገር ባዕላ ብመገዲ ኣብ ሃገራ ዝርከቡ ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ክጻረ ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ኣብ ኲናት ትግራይ ሓደ ካብ ኣዘራራቢ ኮይኑ ዝነበረ ተሳትፎ ሰራዊት ኤርትራ እዩ። ኤርትራ ይኹን ኢትዮጵያ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ከምዘየለ ክገልጻ ድሕሪ ምቕናይ ኣንባሳደር ኤርትራ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሶፍያ ተስፋማርያ ናብቲ ውድብ ኣብ ዝለኣኸቶ ደብዳበ ህላወ ሰራዊት ኤርትራ ተኣሚና። ንሳ ሰራዊት ኤርትራ ናብ ትግራይ ዝኣተወ ሕወሓት ናብ ኣስመራ ሚሳይላት ምስ ተኮሰን መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝሃቦ ፍቓድ ከምዝኣተወን ብምግላጽ’ውን ምኽንያት መእተዊኡ ከተመኽኒ ፈቲና።

ቀጺሉ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጽእ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ነቲ ኲናት ከተሃዳድእን ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ዝተወጽዐ ህዝቢ ምሉእ ብምሉእ ምትሕልላፍ ከፍቅድ ጸቕጢ ማሕበረሰብ ዓለም እናወሰኸ ብምምጽኡ ኤርትራ ሰራዊታ ከምእተውጽእ ኣፍሊጣ።

እንተኾነ ድሒሩ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይኹን ናይ ተራድኦ ውድባት ሰራዊት ኤርትራ ክወጽእ ምጅማሩ ዘርኢ ዝኾነ መርትዖ ከምዘየለ ብኣንጻሩ ሰሜናዊ ክፋል ትግራይ ተቖጻጺርዋ ብምህላዉ ኣብቲ ዞባ ሰብኣዊ ሓገዝ ከይግበር ዓንቂፉ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ኣብ ጉዳይ ኲናት ትግራይ ዛጊት ዝተረረ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ ዘሎ ባይቶ(ሰኔት) ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እዩ። እቲ ባይቶ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘመሓላለፎ ‘ንድፊ 97’ ዝተሰምየ መጠንቀቕታ ሓዘል መልእኽቲ፡ ተጻብኦታት ብቕጽበት ደው ክብል ብምጽዋዕ ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ዝተፈጸሙ ኩሎም በደላት ኮኒኑ። መንግስቲ ኤርትራ ሰራዊቱ ከምውጽእ ብምጽዋዕ ድማ ሰራዊት ኤርትራ ይኹን ካልእ ፈጺመሞ ዝተባህለ በደል ሰብኣዊ መሰላት፡ ቅትለት፡ ዝምታ፡ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ኮኒኑ።

ባይቶ ኣመሪካ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ተሌፎን፡ ኢንተርነት፡ ባንኪን መጓዓዝያን ናብ ንቡር ክመልስ፥ ምስ ማሕበራት ተራድኦ ብምትሕብባር ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ዝምልከቶ ክበጽሕ፥ ምሩኻት ብመሰረት ሰብኣዊ ሕጊ ኢትዮጵያን ዓለምለከን ክትሓዙ፥ ናይ ፖለቲካ እሱራትን ጋዜጠኛታትን ክፍትሑ፥ ብሄራውን ዓሌታውን ኣፈላላይ ደው ክብል ጸዊዑ።

ዝተረረ ናይቲ ሰነት መጠንቀቕታ ድማ ዝምልከቶም ኣካላት ኣብ ላዕሊ ንዝተተቕሰ ምዝሓል ኲናት ከተግብሩ እንተዘይክኢሎም፥ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት፡ ቤት ጽሕፈት ግምጃ(ትሬዠሪ)፡ ውድባት ዓለምለካዊ ምትሕግጋዝ ምዕባለን ህንጸትን ዲፕሎማስያዊ – ሓይለን ብምጥቃም ዝጉምቲ ክወስዳ ቀጠልያ መብራህቲ ሂቡ።

ንመግለጺ ባይቶ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ተኸቲሉ መንግስቲ እታ ሃገር ብመገዲ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ኣብ ልዕሊ ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያን ኤርትራን ናይ ቪዛ እገዳ ኣተግቢሩ ኣሎ።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣንቶንዮ ብሊንከን ነቲ ናይ ቪዛ እገዳ ኣመልኪ፡ ሰበስልጣን ኢትዮጵያን ኤርትራን ነቲ ኣብ ትግራይ ካብ ዝውላዕ 6 ወርሑ ኣቑጹሩ ዘሎ ኲናት ንምህዳእ ዝኾነ ይኹን ፋይዳ ዘለዎ ስጉምቲ ብዘይምውሳዶም ዝተወሰነ ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ኣንቶንዮ ብሊንከን መግለጺኡ ብምቕጻል፡ ናብ ህዝቢ ትግራይ ተባሂሉ ዝተላእከ ሰብኣዊ ረዲኤት ብሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ይዕገትን ይዝመትን ከምዘሎ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝወርድ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዓመጽን ደው ከምዘይበለ ብተወሳኺ ሓቢሩ። ንኢትዮጵያ ዝግበረላ ዝነበረ ናይ ቁጠባን ጸጥታን ሓገዝ’ውን ደው ከምዝብል ኣፍሊጡ።

ኣንቶንዮ ብሊንከን እቲ ናይ ቪዛ እገዳ ኣብ ልዕሊ ኩሎም ነቲ ግጭት ዘነሃህሩ ሰበ-ስልጣን ጸጥታ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣቐዲሞም ዝነበሩን ሕጂ ዘለዉን፡ ኣብ ልዕሊ ሰበ-ስልጣን ክልል ኣምሓራ ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሕወሓት ከምዝትግበር ገሊጹ።

ተስፋ ዝተመቓቐለት ኢትዮጵያ ከምዝኾነ ዝተነግረሉ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ እሱራት ፖለቲካ ብምፍትሑ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነበራ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ናብ ዓዲ ክኣትዋ ብምፍቃዱ፡ ዝተኣገዳ ማዕከናት ዜና ብምኽፋቱን ብሓያሎ ወገናት ኣድናቖት ረኺቡ ኔሩ።

ኣብይ ኣሕመድ ምስ ኤርትራ ዝነበረ ናይ 20 ዓመት ምትፍናን ናብ ንቡር ክምለስ ዓቢ ተራ ብምጽዋቱ ድማ ተሸላማይ ሰላም ኖቤል ክኸውን በቒዑ እዩ።

ኣብ ጥቅምቲ 2019 ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢ ኣሕመድ ኣብ ከተማ ኦስሎ – ኖርወይ ተረኺቡ ናይ ሰላም ኖቤል ድሕሪ ምሽላሙ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ‘ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኲናት ክጅመር እንከሎ መንእሰይ ወተሃደር እየ ኔረ፡ ናይ ኲናት ዕንወትን ጥፍኣትን ብኣካል ኣብ ግንባራት ዝረኣኹ እየ’ ክብል ገሊጹ ኔሩ።

ኣቢ ኣሕመድ ብተወሳኺ ‘ኲናት ንኹሎም ዝሳተፍዎ ወገናት ገሃነም እዩ፡ ኣብ ዓውደ ኲናት ኣሕዋት ነንሕድሕዶም ክዳብሑ ርእየ’፡ ‘ብሰንኪ ሰብዳባትን ተኹሲ ጠያይትን ህጻናት ደቀንስትዮን ኣረጋውያንን ብራዕዲ ከንቀጥቅጡ ርእየ’፡ ‘ኲናት ንሰባት ናብ ልቢ ዘይብሎም ኣረሜናት ክቕይሮም ተዓዚበ’፡ ‘ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ዘውርዶ ጭካኔ ተገንዚበ’፡ ‘ዳርጋ ምልእቲ ኣሃዱአይ ብደብዳብ ክትድምሰስ ምስክር ኔረ’ ብምባል ኲናት ዘስዕቦ ሰብኣዊ ህልቂት፡ ኣብ ልዕሊ ቁጠባን ትሕተቕርጽን ዘውርዶ ዕንወት፡ ዘኸትሎ ናይ ደቂ ሰባት ምምዝባልን ካልእ ጉድቱን ዘርዚሩ።

ንኲናት ዘጸባብቑን ዝውድሱን፡ ንኲናት ዘደማምቑን ዘወዓውዑን እቶም ኲናት ዘይረኣዩን እቶም ኲናት ዘስዕቦ ፍርሒ፡ ሓዘን፡ ልቢ ምስባር፡ ዕንወትን ህልቂትን ዘይረኣዩ ምኳኑም ብምግላጽ ኣብ ቅድሚ ኣለም “በሰላም እንድታድር ጎረቤትህ ሰላም ይደር” ‘ብሰላም ክትሓድር ጎረቤትካ ብሰላም ይሕደር’ ዝብል ምስላ ብምቕራብ ሰላም ክጥጥዕ ከምዝሰርሕ ቃል ኣትዩ።

ሎሚ ቀዳማይ ሚስተር ኣቢይ ኣሕመድ ነቲ ኣቐዲሙ ዝውድሶ ዝነበረ ማሕበረሰብ ዓለም ብፍላይ ድማ ምዕራብ ‘ኣንጻርና ተለዓዒሎም ተዘራርዮም ይሃርሙና ኣለዉ’ ክብል ይኸሶም ኣብ። ኣብ ፈቐዶ ከተማታት ዓለም ኣንጻሩ ሰላማዊ ሰልፍታት ምክያድ ብጻዕቂ ተተሓሒዞሞ ዘለዉ ተጋሩ ብወገኖም እቲ ተሸላሚ ኖቤል ዝኾነ መራሒ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ገበን ክቐርበሎም እዮም ብዓውታ ዝጽውዑ ዘለዉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢ ኣሕመድ ምስ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ጥቡቕ ዝምድና ብምምስራት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ምስሕሓብ ናብ ንቡር’ኳ እንተመለስዎ እቲ ናይ ሰላም ስምምዕ ንክልል ትግራይ ዝመርሑ ሕውሓት ዘየካተተ ብምንባሩ ምሉእ ኣይነበረን፡ ብዙሓት ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ውግእ ሓድሕድ ‘ሰላም ዘስዓቦ ኲናት’ ክብሉ ይገልጽዎ እዮም ዝገልጽዎ።

‘ሰላም ዘስዓቦ ኲናት’ ክበሃል ዝኸኣለ ኣቢ ኣሕመድን ኢሰያስ ኣፍወርቂን ሰላም ጌሮም ክንሶም ንሕውሓት ዛጊት ምኽኒቱ ብወግዒ ዘይተገልጸ ምክንያት ክጽንብርዎ ኣይከኣሉን፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ክልቲኤም መራሕቲ ዝተሰማምዑሉ ዝመስል ኲናት እዩ ተኻይዱ። ሰላም ድሕሪ ምስዓቡ’ውን ብኡ ንብኡ ፕረዘደንት ኢሰያስ ኣፍወርቂ ጸወታ ተወዲኡ ‘game over` ወያነ ክብል እዩ ተሰሚዑ ብምንባሩ ውዲት ከይነበሮ ኣይተርፍን።

ሕውሓት ብወገኖም ቅድሚ ሰላም ይኹን ድሕሪኡ ካብታ ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ‘ዘ ጌግ’ ናይ ኤርትራ ምኳና ዝተወሰነት ጠንቂ ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምዝኾነት ዝንገረላ ‘ባድመ’ ከይወጹ እዮም ጸኒሖም። ኤርትራ ድማ በዚ ኲናት ናብ ትግራይ ብምእታው መሬታ ከተምልስ ምኽኒት ኮይዋ ኣሎ።

ብመሰረት ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ኩሉ እቲ ብዛዕባ ትግራይ ዝበሃልን ብተሃሩ ዝፍኖን ሓበሬታትን ውጹእ ሓሶት እዩ። ንሱ ጽንብል መበል 30 ዓመት መዓልቲ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ወያነ ን20 ዓመት ዝሓዝዎ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ፋይዳ ስለ ዘይረኸብሉ ብቕጽበታዊ ዕንደራ ተሃብዲዶም መጥቃዕቲ 4 ሕዳር ኣንቂሎም ሚሳይላት ከምዝወርወሩ ሓቢሩ። እቲ ዓንዳሪ መጥቃዕቲ ምስ በርዓነ ተሰልቢጥቃ ንኤርትራ ንምጥቃዕን ዝተካየደን ዝካየድን ዘሎ ፕሮፓጋንዳ ሓሶት ዓለም ዝዕዘቦ ዘሎ ቅሉዕ ሸፈጥን ጥፍሽናን እዩ ክብል ገሊጹ።

እንተኾነ መግለጺ ፕረዚደንት ኢሰያስ ብምጽራር ዝበዝሕ ዓለም መንግስታት፡ ትካላት ሰብኣዊ መሰላትን ውድባት ተራድኦን ኤርትራ በደል ከምዝፈጸመትን ሰራዊታ ካብ ትግራይ ከተውጽእን እዩ ዝጽውዕ ዘሎ።

ኣብዚ ኲናት’ዚ ኩሎም ወገናት ሕድገታት ጌሮም ጉዳዮም ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ኮፍ ብምባል ክፈትሕዎ እናኸኣሉ ናብ ደማዊ ኲናት ኣምሪሖም ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ንኢትዮጵያ ይኹን ንርግኣት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ምልክት ሕቶ የእትይዎ ይርከብ።

ብዘይካ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝወረደ ጉድኣት ኣብ ልዕሊ፡ ኣብያተ ሕክምና፡ ዮኒቨርስትታት፡ ፋብሪካታት፡ ንብረት ውልቀሰባት፡ መተነ ሰፊሕ ዕንወትን ዝምታን ተጌሩ ብምህላዉ ብሓፈሻ ናብ ገበን ኲናት ከምርሕ ዘኽእል በደል ከምዝተፈጸመ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ኲናት ትግራይ ጅምር ከየበል ሰዓሪ ዘይብሉ ሓደገኛ ኲናት ከምዝኸውን እዮም ሓያሎ ተንተንቲ ዝገልጽዎ ኔሮም፡ ምኽንያቱ ስነ ሓሳቡ ካብ መራሕቲ ሓሊፉ ብዕምቖት ኣብ ህዝቢ ኣትዩ ብምንባሩ። ሕጂ ድማ ንመላእ ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ሕድሕዳዊ ብሄራዊ ምትፍናን ከተምርሕ ቀሲብዋ ሎ።

ህውሓት ብወገኖም ኣቐዲሞም ብ27 ሕዳር ‘ብዓይነቱ ዝተፈልየ ቃልሲ ከነካይድ ኢና’ ድሕሪ ምጽንሖም ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ትግራይ ህላውነቶ ኣረጋጊጾም ኣለዉ። ኣብይ ኣሕመድ ብወገኑ ኣቐዲሙ ኣጥፊእናዮም ከም ሓሩጭ በቲንናዮም ድሕሪ ምባሉ ድሒሩ ምስ ህዝቢ ተሓዊሶም ይዋግኡና ኣለዉ ክነጥፍኦም ኣይከኣልናን ክብል ተሰሚዑ እዩ።

ኣብዚ ኲናት’ዚ ብዘይካ ፈደራላዊ መንግስቲን ሰራዊት ኣምሓራን ኤርትራን ሕወሓት’ውን ምጽራያት ዘድልዮ ዝተፈላለዩ ገበናት ጌሩ ክኸውን ከምዝኽእል እዩ ዝኽሰስ።

እንተኾነ ኣብዚ ኲናት ከም መራሒ ሃገር፡ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ተሸላሚ ሰላም ኖቤል ኣቢይ ኣሕመድ እዩ ዝዓበየ ዲፕሎማስያዊ ክሳራ ዘመዝገበ። ኢትዮጵያ ኣቐዲማ ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን ምትእኽኻባት ብቐዳምነት እያ ትዕደም ኔራ ኣብ ገለ’ውን ከም ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተፈዋዒት ትርአ ኔራ። እንተኾነ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ጥራይ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዕድመ ምትሕግጋዝ ኣፍሪቃ ፈረንሳ ኣይተዓደመን።

ንኲናት ትግራይ ሓደ ካብ ቀንዲ ኣብ ዓይኒ ማሕበረሰብ ዓለም ከምዝኣቱ ዝገበሮ ምኽንያት ምዕጻው እታ ክልልን ምጥማይ ህዝብን ጾወታዊ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን እዩ።

እዚ ሜላ’ዚ ብፍላይ ህዝቢ ኣጥሚኻ ምሓዝ ከም መሳርሒ ኲናት ምጥቃም ኣብ ትግራይ ወይ ኤርትራ ሓዊስካ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኽ ንካልኣይ ግዜኡ እዩ ዝርአ ዘሎ።

ኣብ ታሪኽ ምልስ ኢልና ምስ እንርኢ፡-

ኣብ 1970ታት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ንናጽነት ሃገረ ኤርትራ፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ድማ ንመሰል ርእሰ ውሳነ ህዝቢ ትግራይን ናጽነት ትግራይን ዘካይድዎ ዝነበሩ ቃልሲ እናሓየለ ዝመጸሉ ዝነበረ እዋን እዩ ኔሩ።

በዚ ድማ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝነበረ ዘይምርግጋእ ኣብ ጥርዙ በጺሑ። ንኢትዮጵያ ዝመርሑ ዝነበሩ ስርዓታት ሃይለ ስላሰን ደርግን ተበራርዮም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘውረድዎ ናይ ምንቅስቓስን ዕፈና ንህዝቢ ዓቕሉ ኣጽቢብሉን ከም ልቡ ከምዘይሰርሕን ጌርዎ ኔሩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እናሃለወ ካብ 1983 ክሳብ 1985 ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ብፍላይ ድማ ክፍለሃገራት ጎጃም፡ ሃረርጌ፡ ትግራይን ወሎን ከምኡ’ውን ኣብቲ እዋን ኣካል ኢትዮጵያ ዝነበረት ኤርትራ ብዓቐኑ ኣዝዩ ውሑድ ዝናብ ብምህራሙ ዘራእቲ በቑሉ ፍረ ክህብ ኣይከኣለን፡ እዚ ናብ ጥሜት ኣምሪሑ ዝነበረ ኲናትን ዘይምርግጋእን ተወሲኽዎ ኣብ 20 ክፍለዘመን እቲ ዝኸፍአ ጥሜትን ዓጸቦን ከኸትል ቀሲቡ።

ብመሰረት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት በቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተኸስተ ዓጸቦ ኣስታት 1.2 ሚልዮን ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ኣስታት 2.5 ሚልዮን ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም ልዕሊ 200 ሽሕ ህጻናት ድማ ብዘይ ኣቦን ኣደን ብምትራፎም ኦርፋን ክኾኑ ተገዲዶም። ጽልዋን ስምብራትን እቲ ዓጸቦ ድማ ንዝተናውሐ እዋን ኣሉታዊ ሳዕቤን ኣኸቲሉ። በቲ ዓጸቦ ዝያዳ ዝተጠቕዐት ክፍለሃገር ድማ ትግራይ እያ ኔራ።

እቲ ዓጸቦ ብሓፈሻ ሕጽረት ዝናብን ምቅይያር ክሊማን ዘኸተሎ ምኳኑ’ኳ እንተተገልጸ ሕጽረት ዝናብ ኣጋዲድዎ ደኣ እንበር እቲ ቀንዲ ጠንቂ ስርዓት ኢትዮጵያ ኣብ ሰሜን ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይን ኤርትራን ኣንጻር ዕጡቓት ስርሒታት የካይድ ኣለኹ ብዝብል ምስምስ ዝተከተሎ ንዓመታት ዝቐጸለ ፖሊሲ ምዕጻው ከምዝነበረ ማእከል ማሕበራት ተራድኦ ‘ኦክስፋም’ ኣብ ዘካየደ መጽናዕቲ ይገልጽ።

ኣርእስትና ብዛዕባ ትግራይ ብምኳኑ እቲ ጉዳይ ናብቲ ከባቢ ኣተኲርና ምስ እንርእዮ ኣብ 1977 መራሒ ኢትዮጵያ ዝነበረ መንግስቱ ሃይለ ማርያም ኣብ ልዕሊ’ታ ክፍለሃገር ዝተከተሎ ናይ ምዕጻው ፖሊሲ ህዝቢ ከይንቀሳቐስ፡ ከይሓርስ፡ ከይንግድን ካልእ ዝእግድ እዩ ኔሩ፡ ብፍላይ ኣብ ገጠራት ህዝቢ ምስቲ ምንቅስቓሱ እናሓየለ ዝመጽእ ዝነበረ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ይመጻደቕን ይተሓጋገዝን እዩ ብዝብል ምኽኒት ህዝቢ ከምዘይንቀሳቐስን ከምዝጠምን ተጌሩ እዩ።

ኣብ 1983ን ድሕሪኡን ዓጸቦ ድሕሪ ምኽሳቱ ድማ ንህዝቢ ዝተባህለ ብማሕበረሰብ ዓለም ዝተለገሰ ረዲኤት ብግቡእ ናብ ህዝቢ ከምዘይበጽሕ ብምግባሩ ነቲ ጥሜት ዝያዳ ኣጋኒንዎ።

ብፍላይ ኣብ ገጠራት ዝነበረ ህዝቢ ‘ረዲኤት እንተተዋሂቡዎ ንዕጡቓት ሕወሓት ክናብዮሉ እዩም’ ብዝብል ምስምስ ሕዝቢ ብኣልማማ ናብ ዓጸቦ ንከምርሕ ተሰሪሕሉ። ብፍላይ ናብቲ ሕወሓት ዝቆጻጸሮ ዝነበረ ከባቢታት መግቢ ይኹን ረዲኤት ከምዘይኣቱ ድማ ጌሩ።

እዚ ፖሊሲ ሞት ናይ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኣኸቲሉ። በዚ ድማ ስርዓት ደርግ ንዓጸቦ ከም መሳርሒ ኲናት ከምዝተጠቕመሉ ኦክስፋም የረድእ።

ሕጂ ድሕሪ 37 ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ተመሳሳሊ ኩነታት ይርአ ብምህላዉ ኣብቲ ከባቢ ታሪኽ ይድገም ከይህሉ ተዓዘብቲ ስግኣቶም ይገልጹ ኣለዉ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣስታት 4.5 ሚልዮን ሰባት ሓገዝ መግቢ ከምዘድልዮም ድማ ይግለጽ። ዛጊት ተረኺቡ ዝበሎ ጸብጻብ ድማ ኣስታት 200 ሰባት ብሰንቂ ጥሜት ሞይቶም ከምዘለዉ ክፍለጥ ተካኢሉ።

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ኲናት መወዳእትኡ ዕንወት እዩ፡ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ ይኹን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ተደጋጋሚ ኲናት ምክያድ ዝጸንሓ ህዝበን በብእዋኑ ማህሰይቲ ክወርዶ ዝጸንሐን እየን። በሰላ ሓደ ኲናት ከይሓወየ ናብ ካልእ ኲናት ይሰጋገራ ብምህላወን ድማ ማሕበረሰበን ጉድኣት ወሪድዎ፡ ህዝበን ተሰዲዱ፡ ብቑጠባአን ተሃስዩ ኮታስ ብኩሉ መዳየን ንድሕሪት ተጎቲተን ይርከባ።

በዚ ኣብ ትግራይ ዝተካየደ ኲናት ህዝቢ ጉድት ወሪድዎ እዩ። ንምሕዋዩ ድማ ግዜ ዝወስድ እዩ ዝመስል፡ ሕጂ’ውን ገና ኲናት ኣይተወደአን እንተኾነ ናይ መወዳእታ ዘላቒ ፍታሕ ዘስፍን ስጉምቲ እንተሃልዩ ኣብ መኣዲ ሰላምን ዝርርብን ምቕራብ ጥራይ እዩ ክኸውን።

(ኣብ ራድዮ ኤረና ዝተነበ)

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles