ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብቕዓት ዘለዎም ስደተኛታት ነቲ ኣብ ዩኒቨርስትን ተክኒካዊ ክእለትን ዝወሃቦም ስልጠና ብናጻ ብምምእራር ናብ ዝለዓለ ትምህርቲ ንክኣትዉ ዘኽእሎም ሸቶ ንምውቃዕ ሓድሽ ወፍሪ ድለባ ገንዘብ ብ 28 ግንቦት ኣዊጁ ይርከብ።
እቲ ገንዘብ ንምእካብ ዝግበር ወፈራ ንመንእሰያት ስደተኛታት ብህጹጽን ብዓብዪን መገዲ ዘድልዮም ነገራት ንምምላእ ምዃኑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ መላእ ዓለም፡ ሰለስተ ሚኢታዊት መንእሰያት ስደተኛታት ጥራይ ከምዝምዝገቡ እቲ ትካል ሰደተኛታት ውድብ ሕብራት ሃገራት ኣዘኻኽሩ ።
ነዚ ዝተሓተ ሚኢታዊት ኣብ 2030 ናብ ዓሰርተ ሓሙሽተ ሚኢታዊት ክብ ንምባል ዓሊሙ ከምዘሎ እቲ ትካል ብተወሳኺ ኣፍሊጡ። “Aiming Higher” ተባሂሉ ተጸዊዑ ዘሎ ወፍሪ ነዚ ተተሊሙ ዘሎ ዕላማ ንምህራም ኣበርክቶ ክህልዎ ከምዝኾነ ትካል ስደተኛታት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣስሚሩሉ ።
ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ትካል ንስደተኛታት ናይ ትምህርቲ ዕድላት ንምሃብ ንዝገብሮ መደባት ዝኸውን ባጀት ኣዝዩ ውሑድ ምዃኑ’ውን እቲ ትካል ኣይሓበአን። በዚ ህጂ ግዜ፡ ካብዚ ሒዝናዮ ዘለናዮ ዓመት ክሳብ 2023 ነዚ ጀሚርዎ ዘሎ ወፍሪ ንምክያድ ዘድልዮ መጠን ገንዘብ 75 ሚልዮን ክኸውን ከሎ፡ ክሳብ ሕጂ ግን፡ 52 ሚልዮን ጥራይ ክረክብ ከምዝኸኣለን፡ ናብቲ ዓሊሙዎ ዘሎ ታርጌት ንምብጻሕ ገና 23 ሚልዮን ዶላር ከምዘድልዮ ኣፍሊጡ።
ብተወሳኺ፡ ትካላት ብሕቲ ነዚ ሃጓፍ ንምሽፋን፡ ተወሳኺ ገንዘብ ኣብ ምእካብ ክተሓጋገዛ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት( UNHCR) ይጽውዕ። እዚ ወፈያ እዚ እንተድኣ ክዉን ኮይኑ፡ 1,800 ዝዀኑ ስደተኛታት ንብምሉኡ ዝለዓለ ትምህርቶም ክምውለሎም ከምዝኽእል እቲ ትካል ሓቢሩ።
“ቀረባት ናይ ዝለዓለ ትምህርቲ መቕይሮ ህይወት ኢዩ። ንስደተኛታት ንመጻኢኦም ተቘጻጺሮም ንማሕበረሰቦም ክመልሱ ኣጋጣሚ ክኸፍተሎም ይኽእል እዩ ። ሓደ ካብቲ ትርጉም ዘለዎ መንገዲ፡ ነዞም መንእሰያት ስደተኛታት እዚ ዕድላት ብሰፊሑ ክረኽቡ ብምግባር እዩ” ክትብል ምክትል ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ከሊ ቲ ክለመንት ገሊጻ።