ሰኑይ, ጥቅምቲ 6, 2025

ናትናኤል ተስፋጼን ኣብ ጂሮዲ ኢታሊ ጽቡቅ ውጽኢት የመዝግብ ኣሎ

ካብ 8 ግንቦት ክሳብ 30 ግንቦት ኣብ ጣልያን ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ዓመታዊ ውድድር ቅድድም ብሽክለታ ጂሮዲ ኢታሊ ካብ ዝሳተፉ ዘለዉ ኤርትራውያን ፕሮፈሽናላት ተቀዳደምቲ ዝኾነ ናትናኤል ተስፋጼን ኣብቲ ውድድር ጽቡቅ ውጽኢት የመዝግብ ከምዘሎ ካብቲ ውድድር ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።

ናትናኤል ተስፋጼን ብዕለት 27 ግንቦት ኣብ ዝነበረ መበል 18 መድረኽ፡ ዝነውሐ ውድድር ምስ 24 ተቐዳደምቲ ሃዲሙ ብምውዓል፡ ኣብ መዛዘሚ ሕንጻጽ መበል 8ይ ደረጃ ሒዙ ከምዝወጸ ይፍለጥ። ብዘይካዚ ኣብዚ ውድድር ካብ ዝጅምር ኣብ ሰለስተ መድረኻት ምስ ቀዳሞት 20 ኮይኑ ምዝዛሙ ይፍለጥ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ናትናኤል ብርሃነ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ዝተኻየደ ውድድር ብምውዳቁ፡ ኣብቲ ውድድር ክቅጽል ከምዘይክኣለ፡ ኣብ ትዊተር ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ ኣፍሊጡ። ኣማኒኤል ገብረዝግኣብሄር ብተወሳኺ ኣብዚ ውድድር ወላ ኡኳ መውደቅቲ እንተጋጠሞ፡ ውድድሩ ይቅጽል ከምዘሎ ይፍለጥ።

ኣብ ዝተፈላለየ ውድድራት ምስ ጋንታቶም  ከይኖም ዝጸወቱ ዘለዉ ኤርትራውያን ፕሮፈሽናላት ተቀዳደምቲ ኣብ፡ ጽቡቅ ውጽኢት የመዝግቡ ምህላዎም ይሕበር።

ተዛማዲ ትሕዝቶ

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ማሕበራዊ መራኸቢ

7,388FansLike
959FollowersFollow
27,700SubscribersSubscribe

ካልእ ኣበርኪቶ ጸሓፊ