back to top
ሰኑይ 24 ለካቲት, 2025

ሶማልያ ሃገራዊ ምርጫ ንምክያድ ተወሲኑ

ተናዊሑ ዝነበረ ሃገራዊ ምርጫ ሶማልያ ዝምልከት፤ ብምክትል ፕርዚደንት ናይታ ሃገር መሓመድ ሑሴን ሮብለ ዝተማእከለ ዘተ ብሓሙስ 27 ግንቦት ኣብ ሞንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ እታ ሃገርን መብዛሕቲአን መራሕቲ ግዝኣታትን ድሕሪ ምክያዱ፤ ምርጫ ፓርላማ እታ ሃገር ኣብ ውሽጢ 60 መዓልታት ክጅመር ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ ክብላ ማዕከናታ ዜና ዓለም ጸብጺበን።

እዚ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ክካየድ ተወጢኑ ምንባሩ ዝፍለጥ ምርጫ ፓርላማ እታ ሃገር፡ ኣብ ዝርዝራቱ ምስምማዕ ስለ ዘይተኻእለ ፡ክናዋሕ ድሕሪ ምግባሩ፤ ነታ ሃገር ናብ መጠነ ሰፊሕ ፖለቲካ ቅልውላው ከይሸማ ተሰግኡ ጸኒሑ። ይኹን እምበር ድሕሪ እዚ ብ ሓሙስ 26 ግንቦት ዝተበጽሐ ስምምዕ፤ ምርጫ ፓርላማ ኣብ ውሽጢ 60 መዓልታት ክጅመርን ነቲ ምርጫ ስዒቡ ድማ ምርጫ ፕረዚደንት ከምዝካየድን ተፈሊጡ ይርከብ።

እዚ ታሪኻዊ ስምምዕ እዩ። ቀደም ምይይጣት ኣብ ርእሰ ከተማታት ናይ ክልእ ዓድታት ይካየዱን ብወጻእተኛታት ይምእከሉን ነይሮም፤ ግን ኣብዚ ግዜ ዚ ብሶማልያ ዝውነን፡ ብሶማልያ ዝምራሕ መስርሕ ክኸውን ጸቒጥናሉ ድሕሪ ምባል ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ መሓመድ ዓብዲራዛቕ፤ ብርግጽ ናብ ጥርዚ ዕንወት በጺሕና ኔርና፤ ግጭት ክለዓል ቀሪቡ ነይሩ፤ እቲ መንገዲ ወጥሪ ዝመልኦ እዩ ነይሩ፤ ይኹን እምበር ሎሚ እዚ ኩሉ ብምውጋድና ሎሚ ጽምብል እዩ ክብል  ንዕዙዝነት ናይቲ ስምምዕ ኣስሚሩሉ።

ሶማልያ ድሕሪ ናይ ሰለስተ መዋእል ፖለቲካዊ ዘይርጉእነት ኣብ ዝሓለፋ ውሑዳት ዓመታት ዝሓሸ ርግኣት እኳ እንተ ኣንጸባረቐት፤ ፕርዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ምርጫ ንክልተ ዓመት ከናዋሕ ምድላዩ ነታ ሃገር ናብ ሓድሽ ፖለቲካዊ ዕግርግር ከይመርሓ ብዙሓት ወገናት ስግኣቶም ክገልጹ ጸኒሖምዮም። ይኹን እምበር፤ እዚ ብሓሙስ ዝተበጽሐ ስምምዕ ነቲ ከጋጥም ዝኽእል ዝነበረ ፖለቲካዊ ዓመጽ ኡኳ እንተነከዮ፤ ካብቶም ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝተራእየ ዘይምርግጋእ ዘጋድዱ ሮቋሕታት ውሑድ ጥራይ ከምዝቕይር ተንተንቲ ይሕብሩ ክብል ጋዜጣ ዋሽንግተን ፖስት ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።

ቅልውላው ተወጊዱ ኣሎ ክንብል ከለና፤ ዝገደደ መጋጠመ ነይሩ ጥራይ ኢና ንብል ዘለና ክብል፤ ተንታኒ ፖለቲካን ኣካይዲ ናይ ሓደ ጸረ ብልሽውና ትካልን ዝኾነ መሓመድ ሙባርክ፤ ንተነቃፍነት ፖሎቲካዊ ሃዋሁ ሶማል ብዝገልጽ ኣገባብ ሓቢሩ።

ፍልልያት ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ጸጥታ ክዕረ ብዘይክእል ተሃስዩ ኣሎ። ንሳቶም ካብ ንሃገሮም ንመራሕቶም ተኣመንቲ ከምዝኾኑ ፈሊጥና ኣለና። ወሲኹ መሓመድ ሙባርክ ተሃላላኽነት ናይቲ ኣብታ ሃገር ተፈጢሮ ዘሎ ኩነታት ብዘተንብህ ኣገባብ፤ ሮብለ ክሳብ ምርጫ ነካይድ ነዚ ጽላለ ከነባብሮ እንተኽኢሉ ክንርእዮ ኢና ክብል ተዛሪቡ።

ኣብዝሓለፈ እዋን ኣብታ ሃገር ዓስኪሮም ዝነበሩ ወተሃደራት ሕብራት መንግስታት ኣሜሪካ ካብታ ሃገር ከምዝወጹ ተሓቢሩ ምንባሩ ይዝከር።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles