back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ጀኔቫ: ሰልፊ 30 ዓመት ናጽነት

ተቐማጦ ስዊዘርላንድ ንመበል 30 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት 24 ግንቦት ኣመልኪቶም መቐጸልታ ናይቲ ‘ ልኡላውነትና ንምውሕስ፣ ፍትሒ ንምንጋስ፣ ኣብ ናይ ሓባር ገስጋስ !’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋል ዓለም ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፍታት: ኣብ ኣፍደገ ቤት ጽሕፈት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም::

ኤርትራውያን ኣብቲ ሎሚ 28 ግንቦት ዘካየድዎ ሰላማዊ ሰልፊ ብመስዋእትን ጻዕርን ህዝቢ ኤርትራን ኤርትራውያን ተቓለስትን ዝተረኽበ ናጽነት ሕቡናት ምኳኖም ገሊጾም::

ንሳቶም 24 ግንቦት ሃገራዊ መዓልቲ ኤርትራን ኤርትራ ከም ሃገር ዝቖመትላን መዓልቲ ብምኳና ክብሪ ዝግበኣ መዓልቲ ምኳና ብምስማር: ጉጅለ ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ብምጭፍላቕ የመሓድር ምህላዉ ግን ኣስተንቲኖም::

ሰልፈኛታት ካብ ዘቕረብዎም ሓያሎ ጭርሖታት
‘ቀዳምነትና ህዝብን ሃገርን ምድሓን’:
‘ጸላኢና ንምእላይ ሓቢርና ንለዓል’: ‘ፍልልይና ኣወንዚፍና ሃገርና ነቐድም’
:’ካብ ጽባሕ ጣዕሳ ሎሚ ሃገርና ነውሕሳ’: ‘ካብ ሕድሕድ ምፍጣጥ ቀንዲ ጸላኢኻ ምፍላጥ’: ‘ትሕቲ ዕድመ ናብ ኩናት ምኽታት ብዓለም ለኸ ሕጊ ዘሕትት ኢዩ’: ‘ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ናይ ኩናት ገበነኛ እዩ’: ‘ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ናብ ዓለም ለኸ ገበነኛታት ቤት ፍርዲ ክቀርብ ኣለዎ’ ዝብሉ ይርከብዎም::

ሰልፈኛታት ብተወሳኺ: መላኺ ኢሳያስን እሙናት ካድራት ህግደፍን ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ብህልቂት መንእሰያት ተሓተቲ እዮም፤ ኣውያት ኤርትራውያን ስደተኛታት ይሰማዕ፤ ንኤርትራውያን ሰደተኛታት ሰብኣዊ ሓጋዝ ይገበረሎም ፤ ውሕስነትን መሰልን ኤርትራውያን ስደተኛታት ይተሓሎ ፤ ጉጅለ ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ኣይውክሎን እዩ ፤ ጉጅለ ህግደፍ ኣዕናዊ ሃገርን ህዝብን እዩ ፤ ጉጅለ ህግደፍ ምጽናት እምበር ሓልዮት ህዝቢ ኤርትራ የብሉን ፤ ጉጀለ ህግደፍ ብሰም ጀጋኑ ስውኣት ዝሽቅጥ ጠላም እዩ ፤ ብዘይ ክስን ፍርድን ተኣሲሮም ዘለዉ ዜጋታትና ይፈትሑ ፤ ልዕልና ሕግን ቅዋምን ይረጋገጽ ፤ ህዝቢ ኤርትራ ዝብላዕ እንጀራ እምበር ዝፈሰስ ደም ኣይደልን ኢዩ ፤ ግዱድን ገደብ ግዜ ዘይብሉን ሃገራዊ ኣገልግሎት ጠጠው ይበል ፤ ኣመሪካ: ኣብ ኤርትራ ገበን እናተፈጸመ ከተጽቕጥ የብላን ዝብሉ መዘክራትን ኣመሓላሊፎም::

ሰልፈኛታት ናብ ቤት ጽሕፈት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ደብዳቤ ብምልኣኽ ንሳቶም ንህዝቦም ወኪሎም ማለት ነቲ/ነታ
1. ብውሽጡ እንዳ ነብዐ ደቁ ሲኢኑ ዘሎ ኣቦ
2. ንዓመታት ከርተት እንዳበለት ኣዕቢያ ደቃ ዝሰኣነት ኣደ
3. ኣብ ዝወልደሉ ዕድመ ኣብ ኣገልግሎት ዕድሚኡ ዝባኽን ዘሎ መንእሰይ መተዓቢተይ
4. ነቲ ዕድሚኡ ኣብ እስርቤት ዝበሊ ዘሎ/ኣቦ/ኣደ/ሓብቲ/ሓው
5. ነቲ ኣብ ዘይፈልጦ ኩናት ኣትዩ ዝተጠብሰ ንእሽቶ ሓወይ
6. ነተን ሰብኡተን ዕድሚኦም ኣብ ኣገልግሎት እንዳበለየ ንበይነን ቆልዑ ዝዕብያ ዘለዋ ኣዴታት
7. ኣብ ገዛ ተዓጽያ ሓሚማ/ሙ ማይ ዘቐብሎ ዝሰኣነ/ት ወላዲ ወላዲት
8. ነቲ ብጥሜት ዝተጠቕዐ መሰታይ
9. ነቲ ገንዘቡ ክጥቀመሉ ዘይከኣለ ዜጋይ
10. ሓሳቡ ከይገልጽ ኣፉ ዝተዓብሰ ህዝበይ
11. ነቶም ኣብ ክንዲ ናይ መጻኢ ዕድላቶም ዝሓስቡ ኣብ ሳዋ ሞት ዘንጸላልዎም ኣሕዋተይ/ኣሓተይ
12. ኣብ ላምፓዱዛ ወዳ/ዱ ጥሒሉ ሬሳ ዘይረኸበ/ብት ወላዲ/ት/ሓው/ሓውቲ
13. ምእንቲ ናጽነት ተቓሊሳ/ሱ ሰንኺላ ሰንኪሉ ዝኸፈሎ ዋጋ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ከንቶ ክኸውን እንዳረኣየ/ት ዝሓርር ዘሎ ተጋዳላይ/ት
ድምጺ ክኾና/ኖ/ኖም ምኳኖም ሓቢሮም::

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles