back to top
ሰኑይ 24 ለካቲት, 2025

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ሰራዊት ኤርትራ ካብ ክልል ትግራይ ክወጽእ ጸዊዑ

ፕረዚደንት ሕብራት መንግስታት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፤ ብ ሮቡዕ 26 ግንቦት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሰራዊት ኤርትራን ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራን ካብ ክልል ትግራይ ክወጹን፤ ኣብቲ ክልል ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ዝሳተፉ ዘለዉ ተጻባእቲ ሓይልታት ድማ ምቁራጽ ቶኹሲ ክእውጁን፡ በቲ ኣዋጅ ድማ ክቕየዱን ጸዊዑ።
ፕርዚደንት ባይደን ብተወሳኺ፤ በቲ ኣብ ክልል ትግራይ እንዳ ገደደ ዝኸይድ ዘሎ ጎንጽን ኣብ ብርክት ዝበለ ክፋላት ናይታ ሃገር እንዳ ተረረ ዝኸይድ ዘሎ ክልላውን ዓለታውን ፍልልያትን ኣዝዩ ከምዘተሓሳስቦ ገሊጹ። ኣብቲ ክልል ዝርአ ዘሎ፤ ዓቢ ዝርግሐ ዘለዎ ጾታዊ ዓመጽ ዘጠቓለለ መጠነ ሰፊሕ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ተቐባልነት ዘይብሎም ስለዝኾኑ ደው ክብል ከምዘለዎ ኣዘኻኺሩ።
ዝተፈላለየ ድሕረ ባይታ ዘለዎም ዓለታዊ ሞቦቆል ዘለዎም ሰባት ብሰላምን ውሕስነት ኣብ ሃገሮም ክነብሩ ይግበኦም ክብል ብተወሳኺ ኣፍሊጡ። ኣብ ፈለማ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ሰሙን፤ ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ ጉዳያት ውዱብ ሕብራት ሃገራት፡ ኢትዮጵያ ብሰንኪ እቲ ዝተናወሐ ግጭት ኣብ መፋርቅ 1980 ዓመተ-ምህረት ምስ ኣጋጢምዋ ዝነበረ ዓጸቦ ዝመሳሰል ዓጸቦ ክገጥማ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ ምንባሩ ጆ ባይደን ኣብቲ መግለጺ ኣዘኻኽሩ። ፕረዚደንት ጆ ባይደን፤ ኩሎም ኣካላት፤ ብፍላይ ድማ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ከቢድ ዓጸቦ ንምውጋድ፤ ቅጽበታዊ ዘይተዓናቐፈ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብቲ ክልል ከፍቅዱ ኣተሓሳስቡ።

ኣብ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ዋይት ሃውስ ዝወጸ መግለጺ ፕረዚደንት ኣሜሪካ፡ ሃገሩ መራሕቲ ኢትዮጵያ፡ ንዕርቂ፡ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ብዝሑነትን ከተባብዑ ተማሕጺኑ። እዚ ብምግባር ድማ፡ ሓድነትን ግዝኣታዊ ውህደትን ናይታ ሃገር ክዕቀብ፡ ውሕስነት ህዝቢ ኢትዮጵያ ክሕሎን፡ እቲ ብህጹጽ ዝደለ ሓገዝ ድማ ከባጻሕ ዝከኣልን ክብል ወሲኹ ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያን ካልኦት መሻረኽቲ ኣካላትን ፖሎቲካዊ ሓይልታት ናይታ ሃገርን ንሓቛፊ ዘተ ውፉያት ክኾኑ ዝጸወዐ ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሓቢሩ ብምስራሕ፡ ንፖለቲካ መጻኢ ሃገሮም ሓበራዊ ራእይ ክሃንጹን፡ ንዘላቂን ምዕሩይን ቁጠባዊ ዕብየት መሰረት ከንጽፉን ከምዝኽእሉ መኺሩ።

ፕረዝደንት ባይደን ንዝምድና ሃገሩ ምስ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ፡ ነዊሕ ዝገበረ ዝምድና ክልትኤን ሃገራት ምህናጽ፡ ምስ ውዱብ ሓደነት ኣፍሪቃን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ከምኡ’ውን ካልኦት መሻርኽቲ ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ብምዃን፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኢትዮጵያ ንዘጋጥማ ብድሆታት ኣብ ምፍታሕ ንምትሕግጋዝ ተዋፋይነታ ከምትቕጽል ኣረጋጋግጹ።

ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጄፍ ፌልትማን፡ ኣብ ጉዳይ ሓጽቢ ኣባይ ዝለዓሉ ክርክራት ዝምልከት ድልየታት ናይ ኩሎም ወገናት ዝመልአ ፍታሕ ደሚሩ፡ ኣብቲ ዞባ ዝረኣዩ ዝተሓላለኹ ግርጫታት ብሰለማዊ መንገዲ ንምፍታሕ፡ ነቲ ሓዲሽ ዲፕሎማስያዊ ጽዕሪ ይመርሕ ከምዘሎ ኣዘኻኽሩ። እቲ ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ናብቲ ዞባ ከምዝምለስን፡ ብዛዕባ ዝበጽሖ ምዕባለታት ክመያየጡ ምዃኖምን ሓቢሩ። ኣብ መወዳእታ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ዲፕሎማሲ ኣሜሪካ፡ ክብርታት ሃገሩ ዘንጸባርቑ፡ ንናጽነት ዝሕልዉ፡ ኣድማሳዊ መሰላት ዘኽብሩ፡ ልዕልና ሕጊ ዘኽብሩን ኩሉ ወገን ዘኽብሩን ክኾኑ ከምዝኾኑን ኣስሚሩሉ።

ኣሜርካ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት፡ ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዝርከብ ኲነታት ኣብ ልዕሊ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ኤርትራን ኣባላት ህወሓትን ናይ ቪዛ እገዳ ከምዝገብረት ሰቲት ንመግለጺ፡ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜርካ ብምጥቃስ ኣብ ዜንኣ ኣስፊራቶ ምንባራ ይዝከር።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles