back to top
ሰኑይ 24 ለካቲት, 2025

ኣብ ሱዳን ዓሌታዊ ግጭት ብምልዕዓሉ፡ ናይ ህጹጽ እዋን ደንጋገ ከምዝተኣወጀ ተሓቢሩ

ሱዳን፡ ብውሑዱ ሓሙሽተ ሰባት ዝቀተለ ዓሌታዊ ግርጭት ድሕሪ ምልዓሉ፡ ኣብ ገለ ክፋል ምብራቕ ሱዳን፡ ስዓታት እቶ እቶ ከምዝተኣወጀ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ‘ታ ሃገር ኣቃልሐን።  ይኹን’ምበር፡ ብዛዕባ’ቲ ዘጋጠመ ግጭት ይኹን ግዳያት ናይ’ቲ ግጭት ዝርዝር ኣይተዋህበን።

ብኻልእ ወገን፡ ኣብ’ቲ ግርጭት ሓሙሽተ ሰባት ከምዝተቀትሉን ዓሰርተ ሰለስተ ድማ ከምዝቆሶሉን ንሰብ መዚ ጥዕና ብምጥቃስ ማዕከን ዜና ሱና ጸብጸቡ። ብተወሳኺ ኢቲ ግጭት ኣብ ገለ ክፋል ከተማ ፖርት ሱዳን ከምዘጋጠመ ይሕበር ኣሎ። ዞባ ምብራቃዊ ሱዳን፡ ኣብ ሞንጎ መራሕቲ ዓሌታት ባኒ ዓሚርን ኑባን ኣብ 2019 ውዕል ሰላም እኳ እንተ ተፈረመ፡ ግርጭታት ምቕጻሎም ግን ሮይቶርስ ይገልጽ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሞንጎ ዓሌታት ባኒ ዓሚርን ኑባን ግጭት ተለዓሉ ክምዝነበረ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋል ናይ’ታ ሃገር ዓሌታዊ ግጭታት ብተደጋግሚ ከምዝለዓሉ ጸብጻባት ይሕብሩ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
914ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles