መንግስቲ ኤርትራ ካብ ሃገራዊ ባንክ ቀጠር ዝተለቐሖ ልዕሊ ክልተ ሚእትን ሰመናያን ሚልዮን ዶላር ኣሜሪካ ክኸፊል ብ 19 ለካቲት ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ ብዝርከብ ቤት ፊርዲ ኣሜሪካ ከምዝተወሰነ ዝተረኽቡ ሰነዳት ቤት ፍርዲ ይሕብሩ። ብመሰረት እቲ ሰነድ፡ መንግስቲ ኤርትራ ካብ 2009 ጀሚሩ ካብ ሃገራዊ ባንክ ቀጠር ዝተለቐሖ፡ $286,123,990.67 ዶላር ኣሜሪካ ምስ ወለዱ ክኸፍል ብቤትፍርዲ ኣብ ንግስነት ዓባይ ብሪጣንያ ፍርዲ ተዋሂቡ ምንባሩ ዝፍለጥ ኮይኑ። ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ ድማ ነቲ ኣቐዲሙ ዝተዋህበ ፍርዲ ኣብ ግብሪ ክውዕል በዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ዕለት ውሳነ ከምዝሃበ ይሕበር።
ብ 12 መጋቢት 2009 ንግዳዊ ናይ ልቃሕ ስምምዕ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኤርትራን ሃገራዊ ባንክ ቀጠርን ከምዝተኻየደን፡ ኣብቲ እዋን ድማ መንግስቲ ኤርትራ ሰላሳ ሚልዮን ዶላር ኣሜሪካ ካብቲ ባንክ ከምዝተለቀሐን እቲ ዝተረኸበ ሰነዳት የመልክት። ነዚ መጠን ልቃሕ፡ መንግስቲ ኤርትራ ካብቲ እቲ ናይ ልቃሕ ስምምዕ ካብ ዝተፈጸመሉ ድሕሪ ሰለስት ዓመት ጀሚሩ ነቲ ልቃሕ ዓመታዊ ምስ ወለዱ ክኽፍል ከምዝተሰማመዐ ይሕበር። ብተወሳኺ ብዝኾነ ምኽንያት ኣብ መንጎ መግስቲ ኤርትራን ሃገራዊ ባንክ ቀጠርን ዝኾነ ዘይምስምማዕ ኣብ ዝፍጠረሉ፡ ጉዳዮም ጉዳይ ዕዮን ንብረትን ብዝከታተል ቤትፍርዲ ዓዲ እንግሊዝ ክፍታሕ ናይ ክልቲኦም ወገናት ስምምዕ ከምዝነበረ ይግለጽ።
ድሕሪ እቲ ኣብ መጋቢት 2009 ዝተፈጸመ ናይ ሳላሳ ሚልዮን ልቃሕ ብ 17 ለካቲት 2010 መንግስቲ ኤርትራ እቲ ልቃሕ ናብ ክልተ ሚእቲ ሚልዮን ክብ ክብለሉ ከምዝሓተተ፡ በዚ መሰረት መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ገንዘብን ብ መጠን 7% ምእታዊት ዝእከብ ወለድን ሓዊሱ ብድምሩ፡ ብብዓመቱ እንዳ ኸፈለ ሳላሳን ሽዱሽተን ሚልዮን ዶላር ኣሜሪካ ነቲ ባንክ ክኸፍል ተሰማሚዑ ምንባሩ ሰነዳት ይገልጹ።
ይኹን እንበር መንግስቲ ኤርትራ፡ 19.8 ሚልዮን ካብቲ ዕዳ ብ ታሕሳስ 2011 ክኸፍል ከሎ፡ ብግንቦት 2012 ተመሳሳሊ ክፍሊት ድሕሪ ምግባር፡ ኣብ ዝቅጽሉ ዓመታት ልቅሑ ከምዘይከፈለ ይሕበር። ሃገራዊ ባንክ ቀጠር ብ ሓምለ 2017 መንግስቲ ኤርትራ ካብቲ ባንኪ ዝተለቀሖ ገንዘብ ክኸፍሎ ከምዝጠለበ ዝሓበረ እቲ ሰነድ፡ መንግስቲ ኤርትራ ካብቲ ባንኪ ዝመጾ ቀዳማይ ጠለብ ከምዘይመለሰን እቲ ባንክ ድማ ስዒቡ ካልእ ደብዳበ ከምዝለኣኸን፡ ድሕሪ ቅሩብ ሳምንታት እታ ካልአይቲ ደብዳበ መንግስቲ ኤርትራ ንክልቲኡ ደብዳበታት ብምምላስ፡ ነቲ ዘይተኸፍለ ዕዳ ኣፍልጦ ድሕሪ ምሃብ፡ እቲ ባንክ ዝኾነ ተወሳኺ ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ክቑጠብ ጠለብ ኣቕሪቡ ምንባሩ ይሕበር።
ሃገራዊ ባንክ ቀጠር ዘለቐሖ ገንዘብ ክኸፍሎ ብተደጋጋሚ እኳ እንተ ጠለበ፡ መንግስቲ ኤርትራ ዕድኡ ከምዘይከፈለን፡ ክሳብ 10 ግንቦት 2019 ኣብ ዝነበረ እዋን መንግስቲ ኤርትራ በቲ ባንክ $251,963,288 ዶላር ኣሜሪካ ይእወድ ምንባሩን፡ ብመሰረት ናይቲ ንፍትሒ ናይ ዕዮን ንብረትን ዝከታተል ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ዓዲ ኢንግሊዝ ጉዳዮም ክረአ ክልቲኦም ዝኣተውዎ ስምምዕ፡ ሃገራዊ ባንክ ቀጠር፡ ጥርዓኑ ናብቲ ቤት ፍርዲ ከምዝወሰዶን ይፍለጥ። እቲ ቤት ፍርዲ ንመንግስቲ ኤርትራ በቲ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ዝርከብ ኤምባሲ ኣቢሉ‘ኳ እንተ ጸወዖ፡ እቲ ኤምባሲ ነቲ መጸዋዕታ ዕሺሽ ከምዝበሎን፡ ነቲ ብቤት ፍርዲ ዝተዋህበ መጸዋዕታ ናብቲ ኤምባሲ ንምምጻሕ’ውን እንተ ተፈተነ፡ ሰራሕተኛታት ነቲ መጸዋዕታ ይነጽግዎ ከምዝነበሩ ተቓሊዑ። እቲ ናይ ዕዮን ንብረትን ጉዳያት ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሃገራዊ ባንክ ቀጠር ነቲ ጉዳይ ንምፍታሕ ዝከኣሎ ከምዝገብረ ብምግንዛብ፡ መንግስቲ ኤርትራ ድማ ነቲ ብተደጋጋሚ ዝግበር ዝነበረ ፈተነታት እንዳ ፈለጠ ዕሽሽ ብምባሉን እቲ ዝእወዶ ገንዘብ ክኸፍል ፍርዲ ከምዘመሓላለፈ ይግለጽ።
በዚ መሰረት፡ ብ 2 ሓምለ 2019 መንግስቲ ኤርትራ $253, 388,350.08 ናይቲ ልቃሕ ምስ ወለዱ ንሃገራዊ ባንክ ቀጠር ክኸፍል፡ ብተወሳኺ ድማ 70,00 ዪሮ ክፊሊት ናይቲ መስርሕ ቤት ፍርዲ ክኸፍል ፍርዲ ሂቡ። እዚ ክልትኡ ክፍሊታት፡ ኣብ ውሽጢ 14 መዓልታት ክሳለጥ በቲ ቤትፍርዲ ተወሲኑ።
ይኹን‘ምበር መንግስቲ ኤርትራ ካብቲ ክኸፍሎ ዝግበኦ ዝእወዶ ሚልዮናት ገንዘብ ዝኾነ ከምዘይከፈለን እቲ ኣብ መንጎ መንስግቲ ኤርትራን ሃገራዊ ባንክ ቀጠርን ዝነበረ ጉዳይ፡ ናብ ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ፡ ብ 19 ለካቲት ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ከምዝበጸሐ ይሕበር። እቲ ቤት ፍርዲ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ዝእወዶ ገንዘብ ምስ ወለዱ ብድምሩ፡ $286,123,990.67 ዶላር ኣሜሪካን ነቲ ባንክ ክኸፍሎ ተወሲኑ። ኮይኑ ግን መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ክኸፍል ስለ ዝኣበየ ፡ ሃገራዊ ባንክ ቀጠር ኣብ ዝኾነ ክፋል ዓለም ዘሎ ንብረት ናይ መንግስቱ ኤርትራ ብምህጋር ዕዳኡ ከሕዊ ተፈቀዲሉ ከምዘሎ እቲ ሰነዳት የመልክት።
ብተወሳኺ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ነርወይ ካብ ዝርከብ ሓደ ትካል ካብ ዝተለቅሖ ንብረት ዕዳ ክኸፍል ብዘይምኽኣሉ፡ እቲ ትካል ክኸሶ ምጽንሑ ይፍለጥ።