back to top
ሰኑይ 24 ለካቲት, 2025

ሱዳን፡ ቢልዮናት ዶላራት ዝነበራ ልቃሕ ተሰሪዝላ

ኣብ ፓሪስ ዝቅናዕ ዘሎ ብዙሓት ሃገራትን ኣህጉራውያን ውድባትን ዘሳትፍ ንቑጠባ ሱዳን ንምሕዋይ ዝዓለመ ፓሪስ ኮንፈረንስ፡ ሱዳን ኣትያቶ ዝጸንሐት ናይ ቢልዮናት ዶላራት ልቃሕ፡ ጣልያን፡ ፈረንሳ፡ ኲውየት፡ ቻይና፡ ስዑዲ ዓረብን ጀርመንን ንዝጸንሐ ዕዳ ሱዳን ከምዝሰርዘኦ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣብዚ ኣስታት 100 ሰበስጥልጣን ሱዳንን መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ዝሳተፉሉ ዘለዉ ዋዕላ፡ ሱዳን ኣብ ግዜ ኣልበሽር ዝኣተዎ ኣስታት 60 ቢልዮን ልቃሕ ንምስራዝን፡ ክሳብ ሒጂ መፍትሒ ክርከቦ ዘይክኣለ ቑጠባዊ መፍትሕታትን፡ ምዕቡላት ሃገራት ኣብ ሱዳን ወፍሪ ክገብራ ንምዕዳምን ምኻኑ ይሕበር።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ባንክ ዓለም ንምሕዋይ ቁጠባ ሱዳን ዝውዕል ልቃሕ ክህብ ምኻኑ ክሕበር ከሎ፡ ፈረንሳ ብወገና ኣስታ 1.5 ቢልዮን ዶላር ልቃሕ ክትህብ ምዃና ኣፍሊጣ።
ኣብ ሱዳን ዝተፈጥረ ለውጢ ከይፈሽል ዓቢ ስግኣት ኣሕዲሩ ዝርከብ ቁሉውላው ቑጠባ ሱዳን፡ ባጤራ እታ ሃገር ኣስታት 300% ዝቕባበ ከምዝበጽሐ ይፍለጥ። ብተወሳኺ እዚ ሱዳን እትኣትዎ ዘላ መድረኽ፡ ኣብቲ ከባቢ ሓድሽ ናይ ቑጠባ ለውጢ ክፈጥር ከምዝኽእል ብዙሓት ተንተንቲ ይጠቅሱ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
914ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles