ሚኒስተር ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ናይ ትዊተር ገጹ ፣ ኣቡነ ቄርሎስ 5ይ ፓትርያርክ ኤርትራ ኮይኑ ከምዝተመረጸ ሓቢሩ።
ብመሰረት እቲ ሚኒስተር፣ ቤተ-ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኤርትራ ሎሚ ግንቦት 13.2021 ኣብ ኣስመራ ብዘካየደቶ ምርጫ፣ ብናይ ዝተፈላለያ ቤተ-ክርስትያናት ወከልቲ ኣቡኑ ቄርሎስ ከምዝተመረጹ ሓቢሩ።
ወሲኹ ብመሰረት ወግዕን ቅዱስ ሕግታት ሲኖዶስ እታ ቤተ-ክርስትያን እቲ ምርጫ ከምዝተኻየደን ንሰነ 13 2021 ወግዓዊ ስርዓተ ምቕባእ ከምዝካየድ ገሊጹ።