ኣብዚ ሰሙን እዚ ዝተጓሃሃረ ኣብ ሞንጎ እስራኤልን ሓማስን ዝተወለዐ ግጭት፡ ናብ ናዕብን ዕግርግርን ብምስግጋሩ፡ ኣብ ውሽጢ እስራኤል ብዝካየድ ዘሎ ጎንጺ ዝተሓወሶ ዕግርግርን ምትህርራምን ጉድኣት ከየውርድ ማእከል ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቅባ ኣብ እስራኤል፡ ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ሓተቲ ዑቅባ ኤርትራውያን ጥንቃቀ ክገብሩ ጸዊዑ።
እዚ ኣብ ዮሩሳሌም ጀሚሩ፡ ድሕሪ ብዝስዓበ ደብዳብ ሮኬታት ናብ እስራኤልን ዝተኸተለ ናዕቢ፡ ኣብ ከተማታት ተል ኣቪቭ፡ ኣኮ ሃይፋ፡ ቲበርያን ኣብ ሞንጎ ኣይሁዳውያንን ዓረብን ግጭጥ ከጋጥም ከሎ። ብዝሒ ነበርቲ ኣዕራብን ኣይሁድን ዝርከብዋ ከተማ ሉድ ድማ ኣብ ናይ ሓደጋ ድንጋገ ኣትያ ትርከብ።
ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ካብ ቃዛ ናብ እስራኤል ኣስታት 1000 ሮኬታት ክድርበ ከሎ፡ እስራኤል ብወገና ከም መልሲ ግብሪ ዝበለቶ ናይ ኣየርን ኣጋርን መጥቃዕቲ ኣብ ወሽመጥ ቃዛ ከምዝገብረት ይፍለጥ።
ኣብ እስራኤል ኣስታት 23 ሽሕ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቅባ ይርከቡ።