መንእሰይ ተቐዳዳሚት ብሽክለታን፡ ብደረጃ ፕሮፍሽናል ኣብ ኤውሮጳ ትጻወት ዘላ፡ ንሰለስተ ግዜ ቻምፕዮን ኤርትራ ክትከውን ዝበቅዐት ተቀዳዳሚት ሞሳና ደበሳይ ኣብ ወርሒ ነሓሴ ኣብ ዝእንገድ ኦሎምፒክ ቶክዮ ናይ መጀመርታ ጸላም ኣፍሪቃዊት ተቀዳዳሚት ኮይና ክትሳተፍ ምዃና ራድዮ ኤረና ኣብ ናይ ሎሚ ጸብጻባ ጠቂሳ።
ሞሳና ደበሳይ ምስ ክለብ ባይክ አይድ ኮይና ኣብ ኤውሮጳ ልምምዳ ተካየድ ከምዘላ ዝጠቀሰ እቲ ዜና፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ዝካየድ ውድድር፡ እንተላይ ሓዋ መኽሰብ ደበሳይ ክሳተፍ ምዃኑ ሓቢራ።
እታ ራድዮ ሞሳና ደበሳይ ናይ መጀመርታ ጸላም ጓል ኣንስተይቲ ተሳታፊት ብምዃን ኣብ መዝገብ ክትሰፍርያ ድሕሪ ምባል፡ ሓዋ መኽሰብ ደበሳይ እውን ናይ መጀምርታ ተሳታፊ ካብ ክለብ አይድ ብምዃን ስሞም ከስፍርዮም ክትብል ሓቢራ።
ኣብ ዝተፈላለየ ዓበይቲ ዓወታት ዝሓፈሱ፡ 4 ብሉጻት ተቀዳደምቲ ኣሕዋት፡ መኽሰብ ደበሳይ፡ ሞሳና ደበሳይ፡ ፍረቃልሲ ደበሳይ፡ ከምኡ’ውን ክንዲሽሕ ደበሳይ ኣብ ኤርትራ ግኑን ስም ዘለዎም ተጻወቲ እዮም።
ሞሳና ደበሳይ ኣብ ዝተፈላልየ ናይ ኤርትራ ናይ ኣፍሪቃ ጸወታት ዓበይቲ ዓወታት ከምዝሓፈሰት ይፍለጥ።
Good job Setit Media. we need Media like you unbiased and fair