back to top
ሰኑይ 24 ለካቲት, 2025

ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ብዛዕባ ርክብ ኣምበሳድር ብሪጣንያን ጀነራል ብርሃነ ጁላን ዝጸብጸብኦ ሓበሬታ ግጉይ ምዃኑ ተገሊጹ

ኤምባሲ ብሪጣንያ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ፡ ኣምባሳደሩ ምስ ሹም ኢታማጆር ኢትዮጵያ ጀነራል ብርሀኑ ጁላ ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ዝተገብረ ክልቲኣዊ ርክብ፡ ነቲ ርክብን ዝተዘተየሉ ዛዕባ ኣመልኪተን ዝጸብጸብኦ ሓበሬታ ግጉይ ምዃኑ ገሊጹ።
እቲ ኤምባሲ ትማሊ ነቲ ዘተ ኣመልኪቱ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ኣየኖት ምዃነን ዘየነጸረን መራኸቢ ብዙሓን ኢትዮጵያ፡ ነቲ ኣምባሳደር ኣልስተር ማክፌል ምስ’ቲ ጀነራል ኣብዚ ሰሙን ንዝገበሮ ዘተ ብልክዕ ከም ዘይገጽኦ ሓቢሩ።

እንተኾነ፡ ኢትዮጵያ ብሮድካስቲን ኮርፖሬትን ፋናን ዝርከብዎም መራኸቢ ብዙሓን ኢትዮጵያ፡ ካብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ረኺብናዮ ዝበልኦ ሓበሬታ ብምጥቃስ፡ ኣምባሳደር ብሪጣንያ ኣብ ኢትዮጵያ ኣልስተር ማክፌል ምስ ሹም ኢታማጆር ኢትዮጵያ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ኣብ ዙርያ ሰላምን ድሕነትን ቀርኒ ኣፍሪቃን እቲ ዞባን ምዝታዮም ጸብጺበን። ብኻልእ ሸነኽ ኣምባሳደር ኣልስተር፡ “ብሪጣንያ ነቲ ካብ 2020 ጀሚራ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝነበራ ርክብ ከም ብሓድሽ ብምግምጋም ዝጀመረቶ ዝምድና መትከላዊ ኮይኑ ንክቕጽል ምስ ኢትዮጵያ ዘሎ ዝምድና ዓቢይ ግደ ኣለዎ ኢሉ” ብምባል ጸብጺበን።

እቲ ሓበሬታ ወሲኹ እቲ ኣምባሳደር፡ “እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ልዕልነት ሕጊ እታ ሃገር ንኽረጋገጽን ድሕነትን ሰላምን እቲ ዞባ ክሕሎን ሓጊዙ’ዩ” ምባሉ ይነግር። ይኹን’ምበር ኤምባሲ ብሪጣንያ ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ሜድያታት ኢትዮጵያ ብዛዕባ እቲ ኣብዚ ሰሙን ዝተኻየደ ዘተ እቲ ኣምባሳደርን እቲ ጀነራልን ኣመልኪተን ዘውጽአኦ ሓበሬታ ልክዕ ኣይኮነን ኢሉ።

ኣብቲ ዘተ ኣምባሳደር ኣልስተር፡ ሃገሩ በቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ጎንጺ ዘለዋ ቀጻሊ ሻቕሎት ንሹም ኢታማጆር እታ ሃገር ከም ዝገለጸሉ ከብርህ እንከሎ፡ ኣምባሳደር ኣልስተር ማክፌል ኣብቲ ዘተ፡ “ኣድላይነት ፖለቲካዊ መፍትሒ፡ ተጻብኦታት ደው ምባል፡ ምውጻእ ወተሃደራት ኤርትራን ተበጻሕነት ሰብኣዊ ሓገዛትን ዝምልከት ኣተኲሩ ንጀነራል ከም ዝገለጸሉ ሓቢሩ” ክብል ኣስፊሩ ይርከብ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles