back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ሰምሳሪ ተወልደ ጎይትኦም (ወሊድ) ገበናኛ ኮይኑ ተረኺቡ

ሓደ ካብ ዕሉላት ገበነኛታትን ሰምሳሪን ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝኾነ፡ “ወሊድ” ብዝብል ቅጽል ስም ዝፍለጥ፡ ተወልደ ጎይትኦም፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ 5 ጉዳያት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባትን ስምሰራን ገበነኛ ኮይኑ ከምዝረኸቦ ዘጋርድያን ዝተባህለት ማዕከን ሓበሬታ ኣፍሊጣ።

ካብ 2014 ክሳብ 2018 ኣብ ዘሎ ግዝያት ኣብ ሊብያ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት፡ ስምሰራ፡ ምስቓይን ዓመጽን ኣብ ልዕሊ ናብ ኤውሮጳ ንክበጽሑ ብ ባሕሪ ኣቢሎም ዝስደዱ ዝነበሩ ስደተኛታት፡ ምስ ካልኣዩ ኪዳነ ዘካሪያስ፡ ክነጥፉ ብምጽናሕ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ  ክትሓዙ ከምዝኸኣሉ እቲ ሓበሬታ የመልክት።

እዞም ልክተ ኣሰጋገርቲ ኣብ ባኒ ዋሊድ ዝተባህለ ቦታ ናይ ልብያ, ብስደተኛታት “ናይ ሰይጣን ከተማ”(Ghost city) እናተባህለ ዝጽዋዕ መዝርዓ (መእከቢ) ብምስራሕ፡ ነቲ ገበን ክፍጽምዎ ምጽንሖም ካብ መሰኻኽር ዝተረኽበ ሓበሬታ የፍልጥ።

ኣብ ጎደናታት ኢትዮጵያ ክዛወር ዝረኸቦ ሓደ ካብ ግዳያት እቲ ዓመጽን ስቃይን ዝኾነ ኢትዮጵያዊ ናብ ፖሊስ ድሕሪ ምሕባሩ፡ ኪዳነ ዘካርያስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኡኳ ተጸንሐ፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት ካብ ቤትማእሰርቲ ክሃድም ከምዝኸኣለ ይፍለጥ። ኪዳነ ዘካርያስ ኣብ 8 ነጥብታት ገበነኛ ኮይኑ ምርካቡን፡ ኣኽባር ሕጊ ኢትዮጵያ ምጽራያትን መርመራን የካይድ ከምዘሎ ብተወሳኺ ኣፍሊጡ።

ጋዜጠኛን ተጣባቂት ሰብኣዊ መሰላት ስደተኛታትን ሜሮን እስቲፋኖስ ብዛዕባዚ ኣመልኪታ “ወሊድ ሓደ ካብቶም ዝጨከኑ ኣሰጋገርትን፡ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ኤርትራውያን ከቢድ ገበን ዝፈጸሙን ምዃኑን፡ እዚ ፍርዲ ኣዝዩ ዓብን፡ ናብ ካልኦት ኣሰጋገርቲ ካብ ዝኾነ ክሕብኡ ከምዘይክእሉ ዘርኢ መልእኽቲ እዩ” ክትብል ሓቢራ። ሜሮን ብተወሳኺ  ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ፍትሒ፡ ተኣማንነት ከምዘይብላ ብምሕባር “ወሊድ ልክዕ ከም ኪዳነ ገዚእዎም ካብ ማእሰርቲ ከየምልጥ ስግኣት ከምዘለዋ ሓቢራ።

ኣብ ሊብያን ግብጽን ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ሰባት ከሰጋግሩ ዝጸንሑ ሰምሰርቲ ክቅየዱ ምጽንሖም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ኤውሮጳ ካብ ዝተታሕዙ ብዙሓት ናይ ነዊሕ ዓመታት ፍርዲ ከምዝተቀበሉ ይፍለጥ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles