back to top
ሰኑይ 24 ለካቲት, 2025

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ባህርዳር ኣብ ዝግበር ግጥማት ሴካፋ ክትሳተፍ’ያ

ሃገራዊት ጋንታ ኩዑሶ እግሪ ኤርትራ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ሓምለ ኣብ ኢትዮጵያ ከተማ ባህርዳር ዝካየድ ግጥማት ሴካፋ ክትሳተፍ ምዃና፡ ራድዮ ኤረና ኣብ ናይ ስፖርት መደባታ ሓቢራ።

እታ ሃገራዊት ጋንታ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተገብረ ጸወታ ከምዘይተሳተፈት ዝገለጸት ራድዮ ኤረና፡ ኣብ 2019 ዘርኣየቶ ኣዝዩ ዝነኣድ ብቅዓት ክሳብ ፍጻመ ክትበጽሕ ከምዝኸኣለት ጠቂሳ። ቅድምን ድሕርን እቲ ጸወታ ገለ ኣባላት እታ ሃገራዊት ጋንታ ኣብ ዩጋንዳ ምስዋሮም ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብ እዋኑ ኣዛራቢ ኣርእስቲ ምንባሩ ይፍለጥ፡፡

ኣብ ኩዑሶ እግሪ ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን ጸወታት ብተደጋጋሚ እትበኩር ኤርትራ፡ ኣብ ስፖርት ዘሎ ኣተሓሕዛን ምሕደራን ዘተባብዕ ከምዘይኮነን፡ ካብ ኤርትራ ክወጹ ዕድል ዝረኸቡ ተጻወቲ ናብ ኤርትራ ካብ ምምላስ ብዙሕ ግዜ ከምዝሕንግዱን፡ ኣብ ዝሓለፈ 2 ዓሰርተ ዓመት ጥራሕ ብዙሓት ተጻወቲ ኣብ ኡጋንዳ፡ ታንዛንያ፡ ኬንያን ኣንጎላን ምትራፎም ይዝከር።

ግጥማት ሴካፋ ብተወሳኺ 2010 ኣብ ኤርትራ ተኣንጊዱ ምንባሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኤርትራ ኣብ ፍጻመ ተሳዒራ ዓወት ካብ ምጉንጻፍ ከምዝቦኸረት ብተወሳኺ ይዝከር።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles