back to top
ሰኑይ 24 ለካቲት, 2025

ሰለስተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ኣብ ውድድር ጂሮዲ ኢታሊ ክሳተፉ እዮም

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ምስ ጋንታታቶም ኮይኖም ውድድሮም ዘካይዱ ዘለዉ ፕሮፈሽናላት ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ ናትናኤል ብርሃነን ኣማኒኤል ገብረዝጋብሄርን ድሕሪ ሰሙናት ኣብ ዝኸፍት ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ሰለስተ ዓብይቲ ናይ ግራንድ ውድድራት ምዃኑ ዝንገረሉ ጂሮዲ ኢታሊ ክሳተፉ ብጋንታታቶም ከምዝተረቚሑ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣብዚ ውድድር ካብ 2016 ኣብ ዝነበሩ ውድድራት ጀሚሮም መርሃዊ ቁዱስ፡ ዳኒኤል ተኽልሃይማኖት፡ ናትናኤል ብርሃነን ኣማኒኤል ገብረዝግኣብሄርን ከምዝተሳተፉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ 2017 ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት ኣብ ክልተ መድረኻት ማልያ ኣንበሳ ዓቀብ ከምዝወደየ ይዝከር።

ኣብ ዝተፈላለየ ውድድራት ዝሳተፉ ዘለዉ 9 ኤርትራውያን ፕሮፈሽናላት ጽቡቅ ውጽኢት የመዝግቡ ምህላዎም፡ ካብ ዝተፈላለየ ዝርከብ ዘሎ ሓበሬታ የመልክት።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
914ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles