“ንሕና ናትና ንግበር፡ ቅድም ዘገድሰና ጉዳይና ኢዩ። ኤርትራ ነቐድም (Eritrea First)፡” ዝbል ሃገራዊ ረብሓ ኤርትራ ቀዳምነት ዝብሉ ዜጋታት፡ ሃገራዊ ረብሓ ከቐድሙ ዝደልዩ ዜጋታትን ተወዲቦም ዝሰርሕሉ፡ ኣብ ዘለዉ ሃልዮም ንኤርትራ ዘቐድምን፡ ንሃገርን ህዝብን ኤርትራ ዘርብሕን ህጹጽ ጉዳይ ኤርትራውያን ስድተኛታትን ንምድሓኖምን ክሰርሑ ዝኽእሉ ኣካላትን ሓይልታትን ምውካስን ድምጾም ከምዝስማዕን፡ ህይወቶም ከድሕንሉ ዝኽእሉ ንምግባርን ዝዓለመ፡ ብሮጀክት ድሮ ኣብ ምድላው ከም ዝርከብ ኣብቲ ፕሮጀክት ዝነጥፉ ዘለው ኣቶ ዳኒኤል ተኽላይን ኣቶ ሳምሶም ረዳብን ምስ ሰቲት ኣብ ዝገበርዎ ቃልመሕተት ሓቢሮም።
ሃገራዊ ረብሓ ኤርትራ ህዝባን፡ ዕማማት ስራሕ ኤርትራ ነቐድም (Eritrea First) ኣብ ኣርባዕተ ነጥብታት ዘተኮረ ምኻኑ ዝሓበረ ኣቶ ዳኒኤል ተኽላይ፡ ከምዚ ዝስዕቡ ምኻኖም ኣፍሊጡ።
1.ሃገራዊ ረብሓ (national interest) ኤርትራ ነቐድም፡ ኣብ ጉዳይ ልኡላውነትን ድሕነት ሃገርን ካብ ናይ ደገን ወሽጥን ተጻብኦ ምክልኻል።
2. ሓቂ ክረትዕ፡ ኣንጻር ኤርትራውያንን ንመልክዕ ኤርትራ ንምድዋን ዝካየድ ናይ ሓሶት ጎስጓሳትን ተጻብኦታትን ምብዳህ።
3.ንድሕነት ኤርትራውያን ስደተኛታት ምጥባቅን ዝሓሸ ውሕስነት ክረኽቡሉ ዝኽእሊ መዳይ ምንዳይ።
4.ምኹስኳስ ሓድነትን ስኒትን ኤርትራ።
ፕሮጀክት ኤርትራ ነቐድም (Eritrea First) ብለካቲት 14, 2021, ቀዳማይ ኣኼባ ኣካይዱ፡ ንዕላማን ሕመረት ፕሮጆክትን ንኹሎም ኣብቲ ሓሳብ ዝረዓሙን ነቲ ዕላማ ንምሕያል ክነጥፍ ድልውነቶም ዝገለጹን ብ ኣቶ ዳኒኤል ተኽላይ ኣቦ መንበር ሓንቲ ሃገር(One Nation) መብርሂ ከምዝተዋህበን ብተወሳኺ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት። ኣብቲ ኣኼባ ኣቶ ዳኒኤል ንተሳተፍቲ ‘”እዚ ጉጅለ ሃገራዊ ረብሓና፡ ልኡላውነትናን ሓድነትናን ኣብ ቕድሚት ሰሪዑ፡ ኣወንታዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ንምምጻእ ሓሳባትና እንለዋወጠሉን ጥርናፈታትና እነሐይለሉን እዩ።” ክብል ንተሳተፍቲ ናይቲ ፈለሚ ኣኼባ ምግላጹ ይፍለጥ።