ከም መቐጸልታ ናይቲ ብስርዓት ኣስመራ ተጀሚሩ ዝጸንሐ ምፉዃስ ቀይድታት ናይ ኮሮና ቫይረስ፣ እቲ ንዓመት መመላእታ ኣብ ልዕሊ ናይ ሃይማኖት ትካላት ተደንጊጉ ዝጸንሐ እገዳ ናይ ስሩዕ ንጥፈታት ከምዝተላዕለ ተሓቢሩ።
እዚ ካብ ጽባሕ 25 ሚያዝያ 2021 ዝለዓል ቀይድታት ኮቪድ-19፣ ኣብያተ ክርስትያንን መሳጊድን ዘድሊ ጥንቃቐታት ብምጥቃምን ማሕበራዊ ምርሕሓቕ ብምኽታልን ንቡር ንጥፈታተን ከምዝጅምራ ተፈሊጥ ኣሎ።