back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ኣብ እስራኤል ከተማ ተል ኣቪቭ ዘለዉ ኤርትራውያን ህጻናት ዓሌታዊ ኣድልዎ የጋጥሞም

ኣብ እስራኤል ከተማ ተል ኣቪቭ ዝርከቡ ኤርትራውያን ህጻናት፡ ኣብ መውዓሊ ህጻናት፡ ኣብ መንጎ ትምህርቲ ዘሎ ግዝያት ዕረፍቲ፡ ዓሌታዊ ኣድልዎ ከምዘጋጥሞም ጋዜጣ ጀሩሳሌም ፖስት ኣብ ዓምድታታ ኣብ ዘስፈርቶ ጽሑፍ ሓቢራ።
ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ህጽናት ኣብ ግዜ ናይ ክፍለ ግዜ ዕረፍቶም፡ እቶም ኤርትራውያን ህጻናት ካብቶም እስራላውያን ህጻናት ተፈሊዪም ኣብ ዝተፈልየ ቦታ ከምዝሕልፍዎ እታ ጋዜጣ መወከሲታት ብምጥቃስ ብተወሳኺ ኣፍሊጣ።

ጋዜጠኛ ቻነል 13 ዝተባህለት መደበር ተሌቭዥን ን ሓንቲ ኤርትራዊት ኣደ ኣብ ዘዛረበትሉ፡ እታ ኤርትራዊት ኣደ ” ጓለይ ሓንቲ ካብቶም ግዳያት እያ። ኩሉ ግዜ ስለምንታይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣብ ግዜ ዕረፍቲ ስለምንታይ ኢና ካብቶም እስራሊያውያን ተፈሊና በይንና ነዕረፍ” ኢላ መዓልታዊ ከም ትሓታ እታ ኣደ ትገልጽ። ጋል ሓሙሽተ ዓመት ጋለይ ከም ኩሎም ሕብረተሰብ ክስማዓ እየ ዝደሊ፡ እንኳላይ ከም እስራላውያን። ስለምንታይ ጓለይ ትፍለ? እዚ ብጣዕሚ እዩ ዘሕዝነኒ፡ ክትብል ገሊጻ።

ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ምምሕዳር ከተማ ተልኣቪቭ ፡ ካብ ዝኾነ ከተማ ንላዕሊ፡ ከተማ ተልኣቪቭ ብብዝሒ ካብ ስደተኛታት ዘተወልዱ ዝነብሩላ፡ ኣብ መጻኢ ህይወቶም ወፍሪ እትገብር ዘላ ከተማ እያ ክብል ነቲ ዝቐረበ ክሲ ከምዝነጸጎ ጋዜጣ ጆሩሳሌም ፖስት ሓቢራ።

ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ህጽናት ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዓሌታዊ ኣድልዎን ተነጽሎን ከጋጥሞም ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ከተማታት ነታንያ፡ ፐታኽቲግቫ ከምኡ’ውን ሉድን ካልኦት ከተማታትን ህጽናት ኣብ ናይ በይኖም ቤት ትምህርቲ ንክመሃሩ ምምሕዳር ትምህርቲ እተን ከተማታት ጀሚሩ ኡኳ እንተነበረ፡ ዘይመንግስታውያን ትካላት ብመሰረት ዘቕረብኦ ክሲ፡ ታሕተዋይ ቤትፍርዲ እስራኤል ውዱቅ ከምዝገበሮ ይፍለጥ።

ኣብ እስራኤል ኣስታት 23 ሽሕ ኤርትራውያን ከምዝርከቡ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ በተወሳኺ ኣስታት 8 ሽሕ ህጽናት ኣብታ ሃገር ከምዘለዉ ይሕበር።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles