back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ስዊዘርላንድ፡ ጓል 34 ዓመት ኤርትራዊት ተቐቲላ፡ 3 ቆልዑት ዘኽቲሞም

ኣብ ስዊዘርላንድ ከተማ ኑሻቴል ጓል 34 ዓመት ኤርትራዉት ኣደ ከምዝተቐትለትን በዓል ቤታ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮ ከምዘሎን ሰለስተ ቆልዑት ደቆም ድማ ናብ መእለይ ቦታ ተወሲዶም ከምዘለዉ ፖሊስ እታ ከተማ ሓቢሩ። 

ፖሊስ ከተማ ኑሻቴል፡ ሎሚ ሓሙስ 22 ሚያዝያ  ሰዓት 8፡50 ናይ ንግሆ ኣብ ፔሶ ዝተባህለ ከባቢ ኣብ ሓደ ኣፓርትመንት ሓንቲ ሰብ ብከቢድ ተወጊኣ ከምዘላ ዝገልጽ ናይ ሓደጋ ሓበሬታ ከምዝረኸበ ገሊጹ። 

ፖሊስ ኣብቲ ናይ ሓደጋ ቦታ ምስ በጽሐ፡ ሓንቲ ጓል 34 ዓመት ኤርትራዊት ብከቢድ ተወጊኣን ቆሲላን ከምዝረኸበ፡ ኣብቲ ቦታ ህጹጽ ናይ ሕክምና ሓገዝ ከምዝተገብረላን ናብ ሆስፒታል ከምዝተወስደትን እንተኾነ መውጋእታ ከቢድ ብምንባሩ ኣብ ሆስፒታል ከምዝዓረፈት ተገሊጹ። እቲ ሓበሬታ እታ ጓል ኣነስተይቲ ብዘቤታዊ ኣቕሓ ከምዝተወግአት እዩ ዝገልጽ። በዚ ምኽንያት ብኻራ ወይ ብበሊሕ ነገር ተወጊኣ ክትከውን ከምትኽእል እዩ ዝግለጽ።

ብመውጋእትን ቅትለትን ናይታ ጓል ኣንስተይ ዝተጠርጠረ ኤርትራዊ ከምዝኾነ ዝተገልጸ በዓል ቤታ ንእለቱ ኣብ ትሕቲ ቀጽጽር ኣትዩ ከምዘሎን እቲ ጉዳይ ኣብ ምጽራይ ፖሊስን ክኢላታትን ብዕቱብ ሒዞም ከምዘለዉ ብተወሳኺ ተፈሊጡ። 

ኣብ እዋን መውጋእትን ሞትን ሰለስተ ቆልዑት እቶም ስድራ ኣብ ቤት ትምህርቲ ከምዝነበሩን ድሕር’ቲ ኣጋጣሚ ናብ መእለይ ቦታ ተወሲዶም ከምዘለዉ ‘ለማታን’ ዝተባህለት ማዕከን ዜና ሓቢራ። 

ነቲ ጉዳይ ኣመልኪታ ኣባል ማሕበር ኤርትራውያን ካንቶን ‘ቩ’ ፌቨን ኣፍወርቂ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ እቲ መቕተልቲ ውጽኢት ዘቤታዊ ዓመጽ ከምዝኾነን ሕብረተሰብ ጉዳይ ዘቤታዊ ዓመጽ ብቕሉዕ ክዘራረበሉን ክነቕሓሉን ከምዝግባእ ሓቢራ። 

ፌቨን ኣፍወርቂ ብተወሳኺ፡ ከምዚ ዓይነት ነገራት ካብ መሬት ተላዒሉ ከምዘየጋጥም፡ ብዙሕ መሰናኽላት ሓሊፎም ዝስደዱ ኤርትራውያን ኣብ መገዲ ዘጋጥሞም በደላት ይኹን ኣብተን ዝነብሩለን ሃገራት ዝጎንፎም ናይ ምውህሃድ መስርሕ ተራ ከምዘለዎ ትሕብር። ዘቤታዊ ዓመጽ ንምብዳህ ድማ ኤርትራውያን ኣብ ዘዝቕመጥዎ ሓያል ማሕበረሰብ ብምህናጽ ክዛረቡሉን ክምክትዎን ከምዝግባእ ትመክር። 

ድሒሩ ብዝተረኽበ ሓበሬታ ቀታሊ ተባሂሉ ተጠርጢሩ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ዘሎ በዓል ቤት ቅድሚ ወርሒ ኣቢሉ ናብ ስዊዘርላንድ ዝመጸ ከምዝኾነ ክፍለጥ ተኻኢሉ። 

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles