back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ኤርትራውያን ዝርከብዎም ብዘይ ኣላዪ ኤሮውጳ ዝበጽሑ ትሕተ ዕድመ ስደተኛታት ይስወሩ 

ካብ ወርሒ ጥሪ 2018 ክሳብ ወርሒ ታሕሳስ 2020 ኣብ ዘሎ ግዝያት፡ ልዕሊ 18,000 ብዘይ ኣላዪ ኤሮውጳ ዝበጽሑ ትሕተ ዕድመ ስደተኛታት ቆልዑ ከምዝስወሩ፡ ኣብቲ ጉዳይ ኣተኪሩ ዝተገብረ መጽናዕቲ ይሕብር። ብመሰረት ዝተረኽበ ሓበሬታ ካብ ኣብዚ ጉዳይ ዝነጥፍን ምርምራዊ መጽናዕቲ ዝገብረን ዝተፈላልዩ ጋዜጠኛታት ዝሓቁፍ ፕሮጀክት “ሎስት ኢን ኢሩፕ” ፡ 18,292 ብዘይ ኣላዪ ኤሮውጳ ዝበጽሑ ትሕተ ዕድመ ስደተኛታት ከምዝስወሩ ሓቢሩ። ኣብ ዓመተ 2020 ጥራይ፡ 5,678 ብዘይ ኣላዪ ኤሮውጳ ዝበጽሑ ትሕተ ዕድመ ስደተኛታት፡ ካብ 13 ሃገራት ኤውሮጳ ከምተሰወሩ እቲ መጽናዕቲ ብተወሳኺ ይገልጽ። 

ብ መሰረት እቲ መጽናዕቲ፡17 ኣብ መዓልቲ ብዘይ ኣላዪ ኤሮውጳ ዝበጽሑ ትሕተ ዕድመ ስደተኛታት ካብ ወርሒ ጥሪ 2018 ክሳብ ወርሒ ታሕሳስ 2020 ኣብ ዘሎ ግዝያት ከምተሰወሩ የፍልጥ። 

ካብቶም ብዘይ ኣላዪ ኤሮውጳ ዝበጽሑ ትሕተ ዕድመ ስደተኛታት ብብዝሒ መበቆሎም ሞሮኮ  ክኸውን ከሎ፡ ካብ ሃገራት ኤርትራ፡ ኣልጀሪያ፡ ጊኒን ኣፋጋኒስታንን መበቆል ዘለዎም ከምዘለዉ ይግለጽ።  እቲ መጽናዕቲ ብተወሳኺ፡ 90% ካብቶም ዝስወሩ ዘለዉ ደቂ ተባዕትዮ ሙኻኖምን ክሕበር ከሎ፡ ሓደ ካብ ሽዱሽተ ከኣ ትሕቲ 15 ዓመት ዝዕድሚኦም ምኻኖም ሓቢሩ። 

ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ፡ ሓለቃ “ኢሮፖል”፡ ብርግጽ ልዕሊ 10,000 እዩ እቲ ኣሃዝ፡ እዞም ቆሉዑ፡ ኣብ ኢድ ኣሰጋገርቲ ደቂሰባት፡ ናይ ጸታዊ ርክብን ዕጸፋርስ ጉጅለታትን ካልእን ወዲቖም ከይኮኑ ከምዝፍራህ  ገሊጹ። እቲ ሓለቃ ብተወሳኺ ገለ’ውን ከይሓብሩ ናብ ስድራቤቶም ዝርከቡለን ሃገራት ኤውሮጳ  ከይዶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ሓቢሩ። 

ብዙሓት ትሕቲ ዕድመ ኤርትራውያን ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ምብጽሖም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብተን ሃገራት ምስ በጽሑ ብዙሓት ህይወቶም ከጥፍኡን ደሃዮም ይሰኣንን ምህላዉ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ክግለጹ ምጽንሖም ይዝከር።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles