back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ጆርጅ ፍሎይድ ፍትሒ ረኺቡ

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከተማ ምንያፖሊስ ብፖሊስ ዝተቐትለ ኣፍሪቃዊ ኣመሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ፍትሒ ረኪቡ። በዲሉ ዝተባህለ ጆርጅ ፍሎይድ ኣብ ትሕቲ ቅይዲ ንምእታው ኣርባዕተ ፖሊስ ዘየድሊ ሓይሊ ተጠቒሞም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ንምእታው ዝጠቕሙሉ ሓይሊ ግዳያ ናብ ሞት ኣብጺሕዎ። ንቕትለት ጆርጅ ፍሎይድ ሕጋውነት ንምልባስ፡ ኣብ ብዝተኻየደ ክልተ ሰሙን ዝወሰደ ሕጋዊ መስርሕ ብብርኩ ኣብ ልዕሊ ክሳድ ጆርጅ ፍሎይድ ን9 ድቒቕን 29 ሰከንድን ዝተንበርኸኸ ፖሊስ ደረክ ሻቬን ብመሰኻኽር ሕጋዊ መስርሕ ብኹሉ ዝቕረበሉ ክስታት በደለኛ ኮይኑ ተረኺቡ።

ኣብቲ ዝነበረ ፍርዳዊ መስርሕ ፖሊስ ጆርጅ ፍሎይድ ንሞት ጆርጅ ፍሎይድ ቀጥታዊ ምክንያት ኔሩ ዶ ወይድ ካልእ ከም ምጥቃም ዕጸ ፋርስ፡ ዘይምምእዛዝ ሕጊ፡ ካብ ማኪና ዝወጽእ ዝነበረ ካርቦንን ካልእን ንሞት ተራ ኔርዎም ዝብል ክትዕ ተኻይዱ። ኣብቲ ፍርዳዊ መስርሕ ዝተፍለላየ ምክንያትኳ እንተተዋህበ ኣብ ክሳድ ጆርጅ ፍሎይድ ዝተንበርከኸ ፖሊስ ደረክ ሻቬን ገበነኛ ኮይኑ ብምርካቡ ንብዙሓት ናይ ሕልና ዕረፍቲ ሂቡ ኣሎ።

እቲ ታሪኽ ከምዚ ዝስዕብ እዩ . . . . . . . .

ሰኑይ 15 ግንቦት 2020 ናይ ኣጋ ምሸት ኣብ ምንያፖሊስ ከተማ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሰራሕተኛ ሓንቲ ዲኳን ናብ ፖሊስ ብምድዋል ‘ሓደ ሰብ 20 ትምዩን ናይ ሓሶት ዶላር ብምጥቃም ሽጋራ ገዙኡ’ ዝብል ጥርዓን ኣቕሪቡ፥ ነቲ ጥርዓን ንምምላስ ኣርባዕተ ፖሊስ መጺኦም፡ ፖሊስ ነቲ በደል ፈጹሙ ዝተባህለ ሰብ ኣብ ጥሕቲ ቀይዲ ንምእታው ኣብ ዝፈተኑሉ 17 ደቒቕ ዝወሰደ ግዜ ምስሕሓብን ዘየድሊ ሓይሊን ብምጥቃሞም ብትምዩን ገንዘብ ሽጋራ ገዚኡ ዝተባህለ ጥርጡር ኣብ ኢዶም ሞይትዎም።

እቲ ገበን ጌሩ ዝተባህለ ጥርጡር ወዲ 46 ዓመት ኣፍሪቃዊ ኣመሪካዊ ጸሊም ጆርጅ ፍሎይድ እዩ ዝበሃል፡ ፖሊስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክእትዎ ኣብ ዝፈተንናሉ እንብይታ ኣርእዩ መምርሒታት ፖሊስ ኣይተኸተለን ዝብል ምኽንያት እኳ እንተሃቡ ብሓለፍቲ መገዲ ብሞባይል ዝተሳእለን ኣብቲ ከባቢ ካብ ዝርከባ ዱካናትን ኣብያተ መግብን ዝተወስደ ተንቀሳቓሲ ቪድዮ ‘ሲ ሲ ቲቪ’ን ግን ፖሊስ ካብ ሕግ ወጻኢ ዘየድሊ ሓይሊ ከምዝተጠቐሙ የርኢ።

ብመሰረት እቲ ተንቀሳቓሲ ቪድዮ እቶም ኣርባዕተ ፖሊስ ንጆርጅ ፍሎይድ ኣእዳዉ ንድሕሪት ጌሮም ፌሮ ኣእትዮም ድሕሪ ምእሳር ብሓይሊ ኣብ ማኪነኦም ከእትዉዎ ኣብ ዝፈተኑ እዋን ብኣፍልቡ ናብ መሬት ወዲቑ፥ ኢዱ እሱር እሞኸኣ ኣብ ባይታ ብኣፍልቡ ወዲቑ እናሃለወ ‘ድሬክ ሾቪን’ ዝተባህለ ሓደ ካብቶም ፖሊስ ብብርኩ ንክሳድ ጆርጅ ፍሎይድ ኣንጻር ባይታ ጸቒጥዎ፥ ክልተ ካልኦት ፖሊስ ድማ ኣብ ኣፍልቡን ከብዱን ጸቒጦሞ፤ እዚ ምጽቃጥ ን9 ደቒቕ ቀጺሉ፥ ኣብዚ ምጽቃጥ ጆርጅ ፍሎይድ ን16 ግዜ ዝኸውን ከተንፍስ ኣይከኣልኩ ‘i can’t breathe’ ክብል ተሰሚዑ፥ ሓለፍቲ መንገዲ’ውን ፖሊስ ዘየድሊ ሓይሊ ይጥቀሙ ከምዘለዉን ይቐትልዎ ከምዘለዉን ዝገልጽ ተቓውሞም ጌሊጾም ዝሰምዖም ኣይረኸቡን፥ ንጆርጅ ፍሎይድ ዓለም ሙሉእ እናረኣዮ ኣብ ኢድ ፖሊስ ዓሪፉ።

ብዘይፍትሓዊ ሞት ጆርጅ ፍሎይድ ዝተቖጥዑ ኣመሪካውያን ተቓውሞኦም ክገልጹን Black Lives Matter ዝብል ጭርሖ ሒዞም ናብ ጎደናታት ክወጹ ድሕሪ ምጅማሮም እቶም ኣርባዕተ ኣባላት ፖሊስ ካብ ስርሖም ተባሪሮም፥ ድሒሩ ብዝተገብረ ጸቕጢ ድማ ኣብ ክሳድ ጆርጅ ፍሎይድ ተንበርኪኹ ጸቒጡ ናብ ሞት ዘብጽሐ ፖሊስ ‘ድሬክ ሾቪን’ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ።

ኣብ ቤት መግብን ለይታዊ ትልሂትን ዝሰርሕ ዝነበረን ድሕሪ ኮሮና ቮይረስ ኮቪድ 19 ስርሑ ክስእን ዝተገደደን ጆርጅ ፍሎይድ ኣብ ዝተቐትለሉ እዋን ዝኾነ ይኹን ብረት ወይ ሓደገኛ ኣፍዋር ኣይነበሮን። ንሱ ኣብ ኢድ ፖሊስ ክቅተል ናይ መጀመርታ ኣይኮነን፡ ፖሊስ ካብ ናይ ካልኦ ዓሌታት ፍልይ ብዝበለ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ኣመሪካውይን ዘየደሊ ሓይሊ እዮም ዝጥቀሙ። ኣቐዲሞም ፖሊስ ኣብ ዝኮነ ኣጋጣሚ ዝያዳ ዝእመኑ ንሳቶም ኔሩም ድሕሪ ምትእትታው ስማርት ተሌፎናት ግን ኩሉ ምንቅስቓሳቶም ይቕረጽ ብምህላዉ ናብ ዓለም ክቃልዑ ጀሚሮም ኣለዉ።

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ድሕሪ ቅትለት ጆርጅ ፍሎይድ ኣብ ከተማታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሰለማዊ ሰልፊ ተካይዱ። ኣብ ገለ እቲ ሰላማዊ ሰልፍታት ግን ስርቒ፡ ምቕጻልን ምዕናውን ኣባይትን ናይ ፖሊስ መኪናን ተራእዩ። እዚ ድማ ነቲ ንጽቡቕ ተግባር ዝተላዕለ ሰልፍታት ብገለ ሰባት ሕማቕ ስእሊ ንክዋሃቦ ደፊኡ እዩ።

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዓመታዊ ኣስታት ሓደ ሽሕ ሰባት ብፖሊስ ይቕተሉ፡ ካብ 2013 ክሳብ 2019 7 ሽሕን 666 ሰባት ኽቕተሉ እንከለዉ ካብዚ ኣቶም እቶም 2 ሽሕን 412 ጸዓዱ፡ 1 ሽሕን 262 ጸለምቲ፡ 887 ሂስፓኒክ ወይ ላቲኒ ክኾኑ እንከለዉ ዝተረፉ ድማ ካልእ ዓሌት እዮም። ምስ ብዝሒ ህዝቢ ተነጻጺሩ ጸለምቲ ኣመሪካውያን ካብ ጸዓዱ ንላዕሊ ብናይ 2.5 ሚእታዊት ዕጽፊ ናይ ምቕታል ተኽእሎ ኣለዎም። ኣፍሪቃውያን ኣመሪካውያን 13 ሚኢታዊት ካብ 328 ሚልዮን ህዝቢ ክኾኑ እንከለዉ ጸዓዱ ድማ 72 ሚእታዊት ይሽፍኑ ብምኻኑ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ዝግበር መቕተልቲ ዝተዓጻጸፈ እዩ።

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ካብ ናይ ኢድ ሽጉጥ ክሳብ ኣውቶማቲክ ጠበንጃ ኣብ ድኳን ክግዛእ ዝከኣል ብምኻኑ ኣብታ ሃገር ብዝተገብረ መጽናዕቲ 30 ሚእታዊት ብረት ከምዝውንኑ ክገልጹ እንከለዉ 43 ሚእታዊት ድማ ብረት ኣብ ዘለዎ ገዛ ከምዝነብሩ ይሕበር። ኣብታ ሃገር ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ኣዕዋር ይሽየጥ ብምኳኑ ናይ ብረት ዝውንኑ ሰባት ቁጽሪ ካብ ዝተተቕሰ ዝለዓለ ከምዝኾነ ይገልጽ።

ፖሊስ መብዛሕቱ ግዜ ኣብ ዝግበር ናይ ተኹሲ ልውውጥ እዮም ሰባት ዝቐትሉ ንባዕሎም’ውን ይቕተሉ እዮም፡ እንተኾነ ኣብ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ኣመሪካውያን ክበጽሑ እንከለዉ ተቐዳዲሞም ብረት ኣብ ምምዛዝን ሓይሊ ኣብ ምጥቃምን እዮም ዝጓየዩ። ሓደ ሓደ እዋን’ውን ፈጺሞም ብረት ንዘይብሎም ጸለምቲ ተኲሶም ክቐትሉ ይረኣዩ። ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ዝገብርዎ ዘይሚዛናዊ ፍርዲ፡ ጥርጠራን መቕተልትን ካብ ዓሌታዊ ጽልኢ ዝተበገሰ ከምዝኾነ እዮም ተዓዘብቲ ዝገልጹ ምኽንያቱ ኣብ ልዕሊ ጸዓዱ ይኹን ካልኦት ዓሌታት ከምቲ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ዝገብርዎ ስለ ዘይገብሩ።

ገለ ገለ እዋን ንኣብነት ፖሊስ ንጸለምቲ መራሕቲ መኪና ደው ኣቢሎም፡ ፍሬቻ መሐበሪ መብራህቲ ኣይወላዕካን፡ ሴማፎሮ ብጫ እንኮሎ ሓሊፍካ፡ መብራህትኻ ብግቡእ ይሰርሕ የለን፡ ዝብሉ ክስታት ብምምስራት ኣብ ምውጣጥ ከምዝኣትዉ ሸለል ኢልካ ክሕለፉ ወይ ብገንዘባዊ መቕጻዕቲ ክውዳእ ዝነበሮ ብቕትለት ከምዝውዳእ መዛግብቲ ይሕብሩ።

ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ተለዓዒሉ ዝነበረ ናዕቢ ዝተሓወሶ ኩሉ ዓይነት ሕብረተሰብ ዝተሓወሶ ሰላማዊ ሰልፍታት ቕትለት ጆርጅ ፍሎይድ ዘበገሶኳ እንተኾነ ውጽኢትን ነጸበራቕን ንኣማኢት ዓመታት ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ዝተገብረ ምግሃስ ሰኣዊ መሰል ብምኳኑ ኣብ ሓጺር ግዜ ደው ክብል ትጽቢት የለን። ምስ ሰልፈኛታት ብምጽጋዕ ኣብ ስርቅን ምዕናው ንብረትን ዝተዋፈሩ ብምንባሮም ግን ትርጉም ናይቲ ሰልፍታት ክጨውይዎ ይረኣዩ ነይሮም፡ ነዚ ብዝምልከት ፕረዚደት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ስድራቤት ጆርጅ ፍሎይድ ፍትሒ ከምዝረኽቡ ብምምጽባዕ ኣመሕደርቲ ከተማታት ጸጥታ ከስፍኑ እንተዘይክኢሎም ሰራዊት ከዋፍር ከምዝኾነ ድሕሪ ምጥንቃቕ ኣብ ከም በዓል ከተማታት ዋሽንግተን ዲሲ ሰራዊት ጎደናታት ክሕልዉ ተራእዮም ነይሮም።

ፕረዚደት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ክንዲ ሰልፈኛታት ከረጋግእ ዝፍትን ‘ስርቒ እንተሎ ጥይት ምቱካስ ኣሎ’ ዘብል ነገር ዘጓሃህር ቃላት ምጥቃሙን ሰልፈኛታት ሰራዊት ብምውፋር ከህድእ የፈራርሕ ብምንባሩ ብሓያሎ ተንተንቲ ፖለቲከኛታትን ዘይፕረዚደንታዊ ዘይሓላፍነታዊ ክብሉ ይገልጽዎ ነይሮም።

ኣፍሪቃውያን ኣመሪካውያን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብዝበዝሕ መዐቀኒታት ክርአ እንከሎ ኣብ ዝተሓተ መነባብሮ ማለት ዝተሓተ ናይ ስርሕ ምርካብ ዕድልን ዝተሓተ ትምህርቲ ክረኽቡ እንከለዉ መብዛሕቶም ኣብ ዝደኸየ ከባቢታት ይነብሩ። እዚ ድማ ውጺት ናይቲ ንዘመናት ኣብ ልዕሊኦም ዝተገብረ ጉላነት፡ ዓሌታውነት፡ ኣፈላላይን ጸቕጥን ተነጽሎን እዩ።

ታሪኽ ጸለምቲ ኣመሪካውያን ኣብ ኣመሪካ ነዊሕ እኳ እንተኾነ ብሕጽር ዝበለ ግን ከምዚ ዝስዕብ ይመስል፡ ኣብ 1492 ክሪስቶፈር ኮሎምቦስ ንኣመሪካ ድሕሪ ምርካቡ ሓያሎ ንግስነታት ኤውሮጳ ሃብቲ ንምኽዕባት ኣብቲ ሓድሽ ተረኺቡ ዝተባህለ መሬት ወርቅ ኣልማዝን ካልእ ማዕድንን ክዕደን ልኡኻት ሰዲዶም እንተኾነ ከምቲ ዝተገመተ ወርቅን ኣልማዝን ክርከብ ኣይተኻእለን፥ ብኣንጻሩ ሰፊሕ ጎላጉል ኣመሪካ ንሕርሻ ምቹእ ምኻኑ ተገንዚቦም፥ ኤውሮፓውያን ሰፋሮ ብብዝሒ ናብ ኣመሪካ ብምኻድ ድማ ናይ ትንባኾ፡ ቃንጫ ሽኮርን ጡጥን ሕርሻታት ብሰፊሑ ክሓርሱ ጀሚሮም እንተኾነ እኹል ምህርቲ ክሓፍሱ ናይ ጉልበት ሰራሕተኛታት ኣድልዮሞም፥ ነዚ ንምምላእ ድማ ናብታ ድሮ ጊላነት ተኣታትዩዋ ዝነበረ ናብ ኣፍሪቃ ጠመተ ክገብሩ ጀሚሮም።

ብከመይ ኣፍሪቃውያን ኣመሪካውያን ናብ ኣመሪካ ከይዶም?

ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኤውሮጳ ይኹን ካልእ ክፋላ ዓለም ጊላነት ድሮ ተኣታትዩ ብምንባሩን ፖርቱጋል ኣቐዲማ ኣብ 14 ክፍለዘመን ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃ መንእሰያት ብምጭዋይ ኣብ ኤርውሮጳ ክትሸጦም ጀሚራ ብምንባራ ናብ ኣመሪካ ዝነበረ ጠለብ ጊላታት ብምርኣይ ሸቐጥ ጊላታት ናብ ኣመሪካ ኣቕኒዓቶ፥ ንፖርቱጋል ብምስዓብ ድማ ነጋዶ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳ፡ ስጳኛ፡ ኔዘርላንድን ዴንማርክን ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዓሰርተታት ኣሽሓት መንእሰያት እናጨወዩ መሸጣ ብመራኽብ ናብ ኣመሪካ ከግዕዝዎም ጀሚሮም።

በዚ ካብ 15 ክሳብ 19 ክፍለዘበን ዝተኻየደ መሸጣ ገላዩ ኣስታት 12 ሚልዮን ኣፍሪቃውያን ናብ ሰሜንን ደቡብን ከምኡ’ውን ደሴታት ካሪብያን ተሸይጦም፡ በዚ መገዲ ድማ ስሉስ ኩርናዓዊ መሸጣ ገላዩ ኣትላንቲክ ተፈጢሩ። እቲ ስሉስ ኩርናዕ ድማ ከምዚ ይመስል፡ ኤውሮጳውያን ካብ ኣፍሪቃ ገላዩ ወሲዶም ናብ ኣመሪካ ይሸጥዎም፥ ብዝረኽብዎ ኣታዊ ካብ ኣመሪካ ጡጥ፡ ሽኮርን ትንባኾን ይገዝኡ፥ እቲ ዝገዝእዎ ምህርቲ ሕርሻ ናብ ኤውሮጳ ብምውሳድ ይሸጥዎ፥ ካብ ኤርውሮጳ ኣጽዋር ክዳውንትን ካልእን ብምግዛእ ናብ ኣፍሪቃ ከይዶም ንነጋውስን ኣመሓደርትን ኣፍሪቃ ይሸጡሎም፥ መሊሶም ድማ ገላዩ ሒዞም ናብ ኣሜሪካ ይኸዱ። በዚ ድማ ብዘይድሌቶም ካብ ኣፍሪቃ ዝተጭውዩ ገላዩ ምንጪ ስሉስ ኩርናዓዊ ኣታዊ ንኤውሮጳውያን ይኮኑ ኔሮም።

ኣብ መሸጣ ኣፍሪቃውያን ገላዩ – ኣፍሪቃውያን ንግስነታት፡ ራእስታትን ኣመሓደርቲን ጭቃ ዓድ’ውን ዝለዓበየ ተራ ተጻዊቶም እዮም፡ ምኽንታያቱ ንሳቶም እቶም ናብ ናይ ኣንጻር ቀቢላታት ስምዒታት እናኻወሱ መንእሰያት እጨወዩን እናሃደኑን ንኤውሮጳውያን ይእክብሎምን ይሸጡሎምን ብኣቕሓን ኣጽዋርን ክዳውንትን መስትያት ከይተረፈ ይቀያየርዎምን ኔሮም።

ካብ ሑቕፊ ስድረኦምን ሕብረተሰቦምን ተመንጢሎም ናብ ኣመሪካ ዝኸዱ ኣፍሪቃውያን ከም ኣቕሓ ብጨረታ እናተአሸጡ ሰብ ዘኮነ ትሕቲ ሰብ እናተሓስቡ ብጽዓዱ ዝውነኑ መብዛሕትኦም ኣብ ሕርሻ ናይ ጉልበት ስራሕን ጽሬትን ተዋፊሮም፡ ሓዳር ጌሮም ዝወለድዎም ብኡ ንብኡ ጊላ እናተሓስቡ ካብ ኣይኖም ተመንጢሎም ናብ ካልእ ክሽየጡ እናረኣዩ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተሰጋገሩ ካብ 1807 ክሳብ 1865 ድሕሪ 400 ዓመት በ ብደረጅኡ ጊላነት ብሕጊ ክኽልከል ጀሚሩ። ኣብቲ እዋን እቲ ኣፍሪቃውያን ገላዩ ካብ መላእ ደቡብ ኣመሪካ ብፍላይ ድማ ኣብ ብራዚል፡ ኣብ ደሴታት ካሪብያን ከም ጀማይካን ሃይትን፡ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ድማ ብፍላይ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ተዘርጊሖም ኔሮም።

ኣብዚ ዝተጠቕሰ ግዜ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጊላነት ዘይሕጋዊ ኮይኑ እኳ እንተተከልከለ ቀጺሉ ክፍለ ሃገራት ብዘተኣታተዎኦ ብ’ጂም ክረው’ ዝፍለጥ ሕጊ ፈለሊኻ ምግዛእን ንዝቐጸለ ልዕሊ 100 ዓመት ጸለምቲ ኣባይቲ ይኹን ናይ ሕርሻ መሬት ከይውንኑ፡ ተቆጺሮም ስራሕ ከይሰርሑ፡ ትምህርቲ ከይመሃሩ ይእገዱ ኔሮም። ናይ ዜግነት መሰልን ኣብ ፖለቲካ ናይ ምስታፍን ምምራጽን ዕድል’ውን ተነፊግዎም ኔሩ። ገዛውቶም ንበይኑ ኣብያተ ትምህርቶም ንበይኑ ተፈልይሎም ብኣፈላላይ እናተመሃደሩ ኣብ ዝከዱሉ ዝነበሩ ድማ ኣብ ኩሉ እቲ ዘካይድዎ ንጥፈታት ከምቲ ንካልኦት ዝግበር ወፍሪ ኣይግበረሎምን ኔሩ።

ድሒሩ ኣብ 1950ታትን 60ታት ብማርቲን ሉተር ኪንግ፡ ማልኮም ኤክስ ካልኦትን ተቓለስትን ድሕሪ ዝተገብረ ቃልሲ ንሰብኣዊ መሰል፡ ናይ ምምራጽ መሰል፡ ናይ ምምራጽን ምውናን ኣባይትን መሰል፡ ናይ ትምህቲ መሰልን ካልእን እናተመሓየሸ መጺኡ።

ኣፍሪቃውያን ኣመሪካውያን ኣብ ታሪክን ቁጠባን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ጌሮም ክንሶም ኣብ ልዕሊኦም ዝተገብረ ንዘመናት ዝቐጸለ ጸቕጢ፡ ዓሌታውነትን ኣፈላልይን ግን ዛጊት ጽልዋኡ ኣይሓደገን ዘሎ፡ ገለ ናይ ጊላነትን ጽልዋን ናይ ጸዓዱን ናይ ልዕልና ኣተሓሳስባ ዘለዎም ጸዓዱ ስራሕ ከይቆጽርዎም፡ ኣብ ማሕበራዊ ሂወት ከይሕውስዎም ዝገብርዎ ተግባር ዛጊት ይቕጽል ኣሎ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ መንጎ ጻዓዱን ጸለምትን ዘሎ ናይ ሃብቲ ጋግ ናይ 275 ዓመት ስራሕ ዝሓትት ኣዝዩ ገፊሕ እዩ። ምኽንያቱ ኣፍሪቃውያን ኣመሪካውያን ካብ ጊላነት ነጻ ኮይኖም ሂወቶም ክመርሑ ክብገሱ እንከለዉ ብኹሉ መዳያት ማለት ሕርሻ፡ ትምህርቲ፡ ጥዕና፡ ቁጠባን ካልእን ካብ ባዶ እዮም ተበጊሶም።

ተሪፉ ዘሎ መሰላቶም ንምምላእ ድማ ሓያሎ ተቓለስቲ ሰብኣዊ መሰላት ብፍላይ ድማ ‘ብላክ ላይፍስ ማተር’ black lives matter ኣብ ቃልሲ ብሰላማዊ መንገዲ ይርከቡ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣፍሪቃዊ መበቆል ዘለዎም ጸለምቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 53 ሚልዮን፡ ብራዚል 15 ሚልዮን፡ ሄይቲ 8.5 ሚልዮን፡ ኮሎምብያ 5 ሚልዮን፡ ጀማይካ 3 ሚልዮን፡ ሜክሲኮ፡ ፔሩ፡ ካናዳ፡ ኩባን ደሞኒካን ረፖብሊክን ነፍሲወከፈን ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ክህልዉ ከለዉ ኣብ ዝተረፋ ነፍሲ ወከፍ ሃገራት ደቡብን ሴሜንን ኣመሪካ ድማ ዘይነዓቕ ቀጽሪ ኣለዉ።

 

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles