ሰኑይ, ጥቅምቲ 27, 2025

ደረክ ቾቪን 3ተ ነጥብታት ብዝሓዘ ገበናት ገበነኛ ኮይኑ ተረኺቡ

ኣብ ከተማ መናፖሊስ ኣሜሪካ ብግንቦት 25.2020 ኣብ ልዕሊ ጆርጅ ፍሎይድ ናይ ቅትለት ገበን ዝፈጸመ ደረክ ቾቪን 3 ነጥብታት ብዝሓዘ ገበን ሎሚ ዕለት 20.04.2021 ቤት-ፍርዲ ገበኛ ኮይኑ ረኺብዎ።

ፖሊስ ደረክ ቾቪን ኣብ ግንቦት 25.2020 ብሰቅቕ ኣገባብ እግሩ ኣብ ልዕሊ ጆርጅ ፍሎይድ ብምንባር ክሳብ እስትንፋስ ዝሓጽሮ ከምዝረገጾን፣ ድሒሩ ናብ ሆስፒታል ምስ ተወሰደ ድሕሪ 9 ደቒቕን 20 ሰከንድን ከምዝዓረፈ ይዝከር።

ኣብቲ ህሞት ጆርጅ ፍሎይድ፣ ንፖሊስ ደረክ ትንፋስ ከም ዝሓጸሮን እግሩ ካብ ክሳዱ ከልዕለሉን ብተደጋጋሚ እኳ እንተለመኖ፣ ደረክ ግን ከይዓጠጦ ክሳብ ሃለዋቱ ዘጥፍእ ብስቃጥ ብስሕለት ከምዝቐተሎ ይዝከር። እቲ ፍጻሜ በቶም ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ሰባት ስለዝተቐድሐ ድማ ኣብ ምሉእ ዓለም ብዙሕ ህዝባዊ ምልዕዓል ከም ዘስዓበን ኣብ ኣሜሪካ ድማ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ኣዝዩ ብርቱዕ ህዝባዊ ናዕቢ ከም ዘለዓዓለ ይፍለጥ።

ኣብቲ ሎሚ ዝወዓለ መጋበኣያ፣
1. 2 ደረጃ ቅትለት / Second-degree murder
2. 3 ደረጃ ቅትለት/ Third-degree murder
3. ቅትለት ነብሲ/Manslaughter
ብዝሓዘ ነጥብታት ቤት-ፍርዲ ገበኛ ኮይኑ ረኺብዎ ኣሎ።

ብተወሳኺ ኣብቲ ሎሚ ዝወዓለ መጋባኣያ ቤት-ፍርዲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ድሕሪ 8ተ ሰሙን ፍርዲ ከምዝህብ ገሊጹ ኣሎ።

ተዛማዲ ትሕዝቶ

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ማሕበራዊ መራኸቢ

7,388FansLike
959FollowersFollow
27,800SubscribersSubscribe

ካልእ ኣበርኪቶ ጸሓፊ