ዓመታዊ ዝወጽእ ንሃገራት ንመሰል ነጻ ፕረስ ኣመልኪቱ ዝልክዕ፡ ተርታ ሃገራት ኣብ ናጻ ፕረስ ኤርትራ ንሰሜን ኮርያ ተኸቲላ መበል 180 ናይ መወዳእታ ደርጃ ሒዛ።
ብመሰል ምዕፋን ናጽነት ኣብ ድሕሪት ክትስራዕ ዝጸንሐት ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዝነበራ ደረጃ፡ ወሪዳ ኣብ መወዳእታ ክትስራዕ ክኢላ ኣላ።
ኣብ ምዕፋን ሓበሬታ ምእሳር ጋዜጠኛታትን ክሳብ ሒጂ ክትምረር ዝጸንሐት ኤርትራ ነዚ ዝሓለፈ 20 ዓመት ዝኾነ ለውጢ ከየርኣየት ኣብ ድሕሪት ካብ ዝስርዓ ሃገራት ትርከብ።
ኣብ 2001 ድሕሪ ምዕጻው ጋዜጣታት ብሕትን፡ ምእሳር ጋዜጠኛታትን፡ ካብ ኤርትራ ሓበሬታ ንክወጽእ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ምዃኑን፡ ህዝቢ ነጻ ሓበሬታ ከይረክብ መንግስቲ ዓፊኑ ሕዝዎ ከምዘሎ ይሕበር። ብተወሳኺ እቶም ኣስታት 20 ዓመት ኣቁጺሮም ዘለዉ ጋዜጠኛታትን ኣስናዳእትን ጋዜጣታት ብሕቲ ክሳብ ሒጂ ደሃዮም ኣበይ ከምዘሎ ኣይፍለጥን።