ኣብ 1991 ብ ዕልዋ መንግስቲ ናብ ስልጣን ዝመጸን ሓደ ካብቶም ዝነውሐ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ዝጸንሐን፡ ብወልቀ ምልኪ ምሕደራ ዝፍለጥ፡ ፕረዚደንት ጫድ ኢድሪስ ደቢ፡ ብ ሰሉስ ዕለት 20 መጋቢት 2021 ኣብ ዶብ ጫድን ሊብያን ኣብ ዝነበረ ኲናት ምስ “ፋክት(FACT)” ዝተባህለ ዕጡቅ ተቓዋሚ ጉጅለ ከምዝተቀትለ፡ ዝተፈላለያ መርበባት ሓበሬታ ኣፍሊጠን። ኩነታት መቅተልቱ ከመይ ከምዝነበረ ክፍለጥ እኳ እንተዘይተኻእለ፡ ቤት ጽሕፈት ምክልኻል እታ ሃገር፡ ብ ተለቪጅን እታ ሃገር ኣብ ዘመሓላልፎ መግለጺ ኣብቲ ኲናት ከምዝተቀትለ ኣፍሊጡ። ብ ተወሳኺ ፕረዚደንት ኢድሪስ፡ ብ ሰኑይ ን ጎስጓስ ምርጫ ኣብ ዝገብረሉ ዝነበረ፡ ናብ እቲ ኲናት ዝካየደሉ ዘሎ ግንባር ከምዝኸይድ ከምዝሓበረን፡ ብ ዕለት 19 መጋቢት ብ ሎዕሊ 80% ድምጺ ምርጫ ከምዝተዓወተን እንተኾነ ብ ሰሉስ ኣብ’ቲ ኲናት ዝካየደሉ ዘሎ ቦታ ከምዝተቐትለ ዝሕብር ሓበሬታ ከምዝተሓበረ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ይሕብሩ።
ድሕሪ መቅተለቲ ፕርዚደንት ኢድሪስ፡ ኣብ ጫድ ሳዓታት ሕላፍ ከምዝተኣወጀን፡ ዶባት ከምዝተዓጽውን፡ ምብራርን ምዕላብን ነፈርቲ ከምዝተኣገደን፡ ቕዋም እታ ሃገር ከምተወንዘፈን፡ ኣብዚ ሕጂ ሳዓት ጫድ ብ ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ ትማሓደር ከምዘላን፡ ነዚ ቤት ምኽሪ፡ ወዲ 37 ዓመት ወዱ ጀነራል ማሓማት ኢድሪስ ይመርሖ ከምዘሎ ይፍለጥ።
ፋክት(FACT) ዝተባሃለ ዕጡቅ ተቓዋሚ ጉጅለ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት፡ ኣብ ማዓልቲ ምርጫ ኣብ ዶብ ልብያ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ብ ምግባር፡ ገለ ቦታት ክሕዝ ከምዝኸኣለ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ምክልኻል እታ ሃገር ሙሉእ ብ ሙሉእ ደምሲስናዮም ኢና ክብል ምጽንሑ ይፍለጥ። ብ ፕርዚደንት ኢድሪስ፡ ቀንዲ ማሓዛ ሃገረ ፈረንሳን ምዕራባውያን ሃገራትን ከምዝኾነን ኣብ ጉዳይ ምቅላስ ግብረሽበራ ከምዝነበረን ይፍለጥ።