ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ኣቢዪ ኣሕመድ፡ ብ23 መጋቢት 2021 ኣብ ኣኼባ ወከልቲ ህዝቢ ንዝቐረበሉ ሕቶታት ካብዝሃቦ መልሲታት፡ ንተሳትፎ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኲናትሓድሕድ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ብወግዒ ኣሚኑ። ይኹን’ምበር፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጽእ ግዜክወስድ ምዃኑ’ውን ተኣሚቱ። ሰለስተ መዓልታት ድሕሪኡ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ መንግስቲ ኤርትራ ሰራዊቱ ካብኢትዮጵያ ክስሕብ ተሰማሚዑ፡ ሓይሊታት ምክልኻልኢትዮጵያ ድማ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዘሎ ዶብብቕጽበት ክሕልዎን ክቆጻጸሮን ኢዩ፡ ዝብል መግለጺኣውጺኡ። እዚ ብሳላ ሓያል ጸቕጢ ኣውሮጳዊ ሕብረትንምምሕዳር ባይደንን፡ ድሕሪ ናይ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣሉታዝተረጋገጸ ተሳትፎ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኲናት ሓድሕድኢትዮጵያ’ዩ። እቲ መግለጺ ብዙሓት ኣገደስቲ ሕቶታትዘልዕል’ዩ። ሓደ ካብኡ፡ ጠንቂ ግጭት ኢትዮጵያ-ኤርትራንዝዀነን፡ ንምዝዛሙ ወይ ምቕጻሉ ዝውስንን ኢዩ።
ዳግመ-ውደባን ምቅይያርን ከም ምስሓብ፡
ንሕቶታት ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ መልሲ ክህብከሎ፡ ኣቢዪ ኣሕመድ፡ ሰራዊት ኤርትራ ዶብ ኢትዮጵያ ዝሰገረመልሰ-ግብሪ ንናይ ህወሓት ምትዂቷኽን፡ ብሰንኪሃንደበታዊ ምድኻም ሰራዊት ኢትዮጵያ ንኤርትራ ጸጥታዊውሕስነት ክህብ ዘይምኽኣሉን’ዩ ኢሉ ኣመኽንዩሉ። ኢትዮጵያ፡ ዓቕሚ ሰራዊታ ናብ ናይ ቅድመ-ኲናት ዝነበረደረጅኡ ዳግም ምስ ሃነጸቶ ከኣ ህላወ ሰራዊት ኤርትራ ኣብኢትዮጵያ ከብቅዕ ምዃኑ ንኣባላት ቤት ምኽሪ ወከልቲኣረጋጊጹሎም። እዚ ከኣ፡ ኢትዮጵያ፡ ከመይ ጌራ ኣብ ውሽጢሰለስተ መዓልታት፡ ንሰራዊታ ቅድሚ ምጅማር ኲናት ናብዝነበሮ ደረጃ ብቕዓት ኣደይባ ዶባታ ትሕሉ፡ ንኤርትራ ዘድልያጸጥታዊ ውሕስነት ትህብን፡ ምስሓብ ሰራዊት ኤርትራይትግበርን፡ ዝብል ተወሳኺ ሕቶታት የስዕብ። ኢትዮጵያ ነቲብዘይ ሓገዙ – እስከ ክትስዕሮስ ይትረፍ – ምዕጋቱ’ውንዘይትኽእል ህ.ወ.ሓ.ት. ከሎ፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይክስሕብ ጠለብ ከተቕርብ ኣብ ዘኽእላ ኲነት የላን። ኢሳያስ’ውን፡ ፍጹም ጥፍኣት ህወሓት ዕላማ ሒዙ ከሎ፡ንከምዚ ዝኣመሰለ ጠለብ ኣይቅበልን’ዩ።
መግለጺ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢዪ ብዛዕባ ምስሓብ ሰራዊትኤርትራ ካብ ትግራይ፡ ካብ ናይ ህዝባዊ ዝምድናታት ተዋስኦዝሓልፍ ኣይኰነን። ምንቅስቓሳት ሰራዊት ኣብ ባይታ ከምዝሕብሮ፡ ስርዓት ኢሳያስ፡ ብምትሕብባር መንግስቲኢትዮጵያ፡ ዳግም ይውድብን፡ የደልድልን’ዩ ዘሎ። ንህወሓት፡ ብቀንዱ ከኣ ንህዝቢ ትግራይ፡ ናይ ምጥፋእን ምዕናውንፖሊሲ ዘመተ እናቐጸለ፡ ነቲ እስሕብ ኣሎኹ ዝብሎ፡ ሓቂከምስል ንሰራዊቱ ብቐጻሊ ኣብ ምቅይያር ቦታታት ይርከብኣሎ። ቅድሚ መግለጺ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ሽዱሽተብርጌዳት ካብ ትግራይ ናብ ኤርትራ መሊሱ። እዘን ብርጌዳት፡ኣካላት ዝበዝሐ ውግኣት ናይ ዝተሳተፋን ዝዓበየ ክሳራታትዘጋጠመንን ሰለስተ ኣጋር ክፍላተ ሰራዊት’የን። ምኽንያትናብ ኤርትራ ምምላሰን ድማ፡ ካብ ትግራይ ንምስሓበንዘይኰነስ ንምዕራፈንን ዝጎደለ ዓቕሚ ሰበን ምምላእዝዓለመን ጥራይ ኢዩ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር መግለጺ ካብ ዝገብር ንድሓር፡ ኣብውሽጢ ትግራይ፡ ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ ትግራይን ኤርትራን፡ሰፋሕቲ ናይ ሰራዊት ምንቅስቓሳት ከም ዘለዉ እሙናትምንጭታት ይሕብሩ። ስለዚ ድማ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒመጋቢት 2021፡ ሓደ ብሚሊሻ ዝቖመ ክፍለ ሰራዊት ናብማእከላይ ኤርትራ ተመሊሱ። ሓደ ናይ ክፍለ ሰራዊት 23 ኣሃዱ’ውን ናብ ኤርትራ ምምላሱ ዝገልጽ ሓበሬታ’ሎ። ቅልጡፍ ናይ ኩነታት ምቅይያር፡ ቦታታት ወተሃደራዊኣሃዱታት ብልክዕን ኣብ ግዜኡን ንምግላጽ ኣየኽእልን ዘሎ። ይኹን’ምበር፡ ገለ ኣሃዱታት ናብ ኤርትራ ተመሊሰን፡ ገለ ድማናብ ዶብ ገጸን ቀይረንን ይዂና’ምበር፡ እቲ ሓቂስ መንግስቲኤርትራ ኣብ ትግራይ ንዝርከብ ሰራዊቱ ኣደልዲሉዎ’ምበርኣየውሓዶን ዝብሉ ዝእመኑ ምንጪታት ሓበሬታታት ኣለዉ። እዞም ምንጪታት’ቲ ከባቢ፡ ክሳብ መወዳእታ መጋቢት/መጀመርታ ሚያዝያ፡ ”ዝተረፈ” ክፋል ህወሓት ንምድምሳስ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ክሳብ 40 ሚእታዊ ካብ ሰራዊቱ ኣብትግራይ ኣስፊሩ ምህላዉ ይሕብሩ።
ኣብዚ እዋን፡ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ትግራይ ወተሃደራዊግጥማት እናሓየለ ይመጽእ ኣሎ። ወሰኽ ሰራዊት ኤርትራከፊላዊ ምኽንያት ክኸውን ከሎ፡ እቲ ካልእ ምኽንያት ከኣ፡ ሰራዊት መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ምንቅስቓስ ከሎብህ.ወ.ሓ.ት. ብዝግበረሉ ድብያታትን ኣብ ሓደስቲ ቦታታቱ ብዝውሰድ መጥቃዕቲታትን’ዩ። ኣብ መወዳእታ መጋቢት2021፡ ንኣብነት፡ ክልተ ናይ ክፍለ ሰራዊት 16 ተንቀሳቐስቲብሪጌዳት ካብቲ ንጡፍ ውግኣት ዘለዎ መታሕት ትግራይ ናብቢያራን ባድመን በጺሖም። እዘን ክልተ ዓዲታት ኣብ መንጎክልቲኡ ሃገራት ካብ ዘሰሓሕባ ዝነበራ’የን። ክልል ትግራይንኤርትራ ከተረክበን ስለ ዘይደለየት ግን፡ ክሳብ እዚ ዘሎኲናት ዝጅምር ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ጸኒሐን። ዋላ’ውን እቲዝተረፈ ሰራዊት ኤርትራ፡ ብተመሳሳሊ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአንሃገራት ኣብ ዘሎ ዶብ ክሰፍር እንተ ደለየ፡ ልክዕ ሕንጻጽንሕጋዊነትን ዶብ ገና ኣይተፈትሐን ዘሎ።
ዘይተፈትሐ ዶባዊ ምስሕሓብ ኤርትራን ኢትዮጵያን።
ድሕሪ ናይ 1998-2000 ዶባዊ ኲናት ኣብ መንጎ ኤርትራንኢትዮጵያን፡ ኣህጉራዊ ኮሚሽን ዶብ ኣብ መንጎ ክልቲአንሃገራት ዝነበረ ዶብ ክሕንጸጽ ውሳነ ኣሕሊፉ። ህ.ወ.ሓ.ት.ዝመርሖ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብመጀመርታ ነቲ ውሳነነጺጉዎ፡ ቀጺሉ ድማ ኣብ ኣተገባብርኡ ዘተ ኪግበር ጠሊቡ። ኢሳያስ ድማ ኩሉ ናይ ዘተ ፈተነታት ነጺጉ፡ ኣብ ክንድኡ፡ ብመሰረት ዝሓለፈ ውሳነ ኣህጉራዊ ኮሚሽን፡ እቲ ዶብ ኣብባይታ ክሕንጸጽ ብትሪ ጸቒጡ። ናይ’ቲ ዝሰዓበ ዓሰርተሽዱሽተ ናይ ኣይ ሰላም ኣይ ኲናት ዓመታት ዝኸበደ ጾር ከኣኤርትራ ተሰኪማቶ።
ኣቢዪ ኣሕመድ ብ2018 ኣብ ስልጣን ምምጽኡን፡ ንውሳነኣህጉራዊ ኮሚሽን ብዘይ ቅድመ–ኲነት ምቕባሉን፡ ንኢሳያስኣፈወርቂ፡ ሕነኡ ናይ ምፍዳይ ምቹእ ባይታ ፈጢሩሉ። ነቲጸኒዑ ኣብ ዘመነ ስልጣን ህ.ወ.ሓ.ት. ዝጸቕጠሉ ዝነበረ፡ ዶብኣብ ባይታ ናይ ምሕንጻጽ ጠለቡ ክንዲ ዝቕጽሎ፡ ንዕኡ ንጎኒኣቐሚጡን ንጎረቤቱ ክልል ትግራይ ጎስዩን፡ ምስ ኣቢዪኣሕመድ ናይ ሓባር ውዲት ኣለሙ። ናብ ናይ ሓድ–ሕድ ርእሰከተማ ምዱብ ዑደታት ብምግባር፡ ምጥፋእ ህ.ወ.ሓ.ት.ቀዳማይ ናይ ሓባር ጉዳዮም ጌረሞ ወሲደሞ። ብፍላይ ናይኤርትራ ፕረዚደንት፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብ ትግራይ ጥራይተወሲኑ ዝነበረ ጸላኢየይ ዝብሎ ህ.ወ.ሓ.ት፡ ውልቃዊ ሕነኡመታን ክፈዲ ንጥቕሚ ሃገሩ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ሰሪዑዎ።
ዋላ’ውን ምድምሳስ ህ.ወ.ሓ.ት. ነዞም ክልተ መራሕቲ ናይሞትን ህይወትን ጉዳይ እንተ ዝነብር፡ ጥቕሚ ኲናት ኣብምልክት ሕቶ ዝኣቱዩ። ዋላ’ኳ ዘይተፈጸመ እንተ ኰነ፡ ወያነተደምሲሱ ኢልና እንተ ደምዲምና፡ ሎሚ ኣብ ዝሓሸ ኩነታትዲና ዘሎና? ካብዚ ኩሉ ህልቂትን ናይ ወለዶታት መቕዘፍትን፡ ውሑድ ክፍሊትን ገለ ኣገባብ ማእከላይ ስምምዕን፡ ወይ እንካሃባ፡ ተገይሩ እንተ ዝነብር ክሳብ ክንደይ ጠቓሚ ምዀነ? እዚሕቶታት’ዚ ነቲ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ማዕረ ተዋሳኣይዝዀነ ህ.ወ.ሓ.ት’ውን ዝምልከት’ዩ።
መደምደምታ፡
ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ጉዳይ ዶብ ገናኣይተፈትሐን። ዶብ ኣብ ባይታ እንተ ዘይተሓንጺጹን ጉዳይዶብ ሓንሳእን ንሓዋሩን እንተ ዘይተፈቲሑን፡ ግጭት ኣብመንጎ ሃገራት ብቀጻሊ ክነቱግ ይኽእል’ዩ። ስለ ዝዀነ ከኣ፡ጉዳይ ዶብ ናብ ቀዳምነት/ቅድሚት ክምለስን ቀዋሚ ፍታሕክረክብን፡ ንኣሜሪካ፣ ንሕብረት ኣውሮጳ፣ ንሕብረት ኣፍሪካንሕቡራት ሃገራትን ኣገዳሲ’ዩ። ምፍታሕ ምስሕሓባት ኣብመንጎ ህሉዋት ይኹን ድሕሪ ሕጂ ንዝመጹ መንግስታትይኹን ካልኦት ተዋሳእቲ ክልቲኦም ሃገራት፡ ኣዝዩ ልዑል’ዩ።ከምዚ ንፕረዚደንት ኢሳያስ (ወይ ዝስዕቡ ናይ ክልቲኦምሃገራት መራሕቲ) ብክልቲኦም ወገናት ብሓባር ዝጸደቐንብንጹር ዝተለለየን ኣህጉራዊ ዶብ ንምስጋር መመኽኔታኣይህቦምን’ዩ። ኣብዚ ህሉው ዶባዊ ምስሕሓብ ወይ ግጭት፡ መግለጺ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ብዘይ ሓባራዊስምምዕ ብንጹር ዝተሓንጸጸን ኣብ ባይታ ዝተመልከተንዶብ፡ ትርጉም ኣይህልዎን’ዩ። ብተመሳሳሊ’ውን ሕቶምትሕግጋዝ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ሃገራት።
ለበዋታትና፦
መጀመርታ፡ ህሉው ኲናት ትግራይ ብቕጽበት ከብቅዕ። ተዓዋቲ ዘይብሉ ኲናት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ናብኡ ዘብጽሑሕቶታት’ውን ብዘተ ክፍትሑ ስለ ዝኽእሉ። ስለዚ፡ እዞምዝስዕቡ ሓሙሽተ ነጥቢታት ቀልጢፎም ክትግበሩ የድሊ፦
ብዛዕባ ነዚ ኣብ ምትግባር ከጋጥም ዝኽእል ጸገማትዘይጭበጡ ትጽቢታት የብልናን። ባህሪይ ናይቲ ግጭት፡ ህሉው ኪዳን ረብሓታት፡ ብኩሎም ዝግበር ደረጃ ዕቤትፖለቲካዊን ወተሃደራዊን ወፍሪታት (እንኰላይ መጠንንዓቐንን ወፍሪታቶም)፣ ልዕሊ ኩሉ ድማ ህልኻዊ ባህሪይኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ምስሓብ ሰራዊት ኤርትራ ዘበርክቶ፡ምህሙን ተስፋ’ዩ። እዚ እንተ ኮይኑ ከኣ ክኸውን ዝኽእልምርጫ፡ ምቕጻል ናይዚ ኣሰቃቒ ኲናት፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊህዝቢ ክስዕብ ምስ ዝኽእል ዝኽፍአ ስቓይን፡ ዞባዊዘይምርግጋእን’ዩ። ጽልዋ ኲናት ትግራይ፡ ኣብቲ ዞባ ዘሕደሮስምብራት ርኡይ ኰይኖ’ሎ። ገና ከኣ ዝዓበየ ሓደጋየንጸላሉ’ሎ። ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ እዚ ግጭት’ዚ ክቕጽልከፍቅድ ኣይግባእን። ሰራዊት ኤርትራ ክስሕብ ኣብ ልዕሊክልቲኦም፡ ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን፡ ውሁድን ቀጻልንጸቕጢን፡ ብናጻን ኣህጉራዊን ኣካል ዝረጋገጽ ቅጥዒታትዝትግበር፡ ቅጽበታዊ ስጉምቲ ክወስድ ኣለዎ። እዚ ኣወንታዊጸቕጢ ንሰላም’ምበር ምትእትታው ኣይኰነን። ክልቲኦምመንግስታት፡ እቲ መልእኽቲ ጽኑዕን ንጹርን ምስ ዝኸውን፡ከምዚ ዓይነት ጸቕጢታት ዘይስምዖም ከም ዘይኰኑ ንፈልጥኢና።