ሃገራዊ ሓይሊ ዕማም ሙቋም መንግስቲ ኣብ ስደት(ወጻኢ) ቀዳም 17 ሚያዝያ 2021 ብማንዛዊ ኣገባብ ጋዜጣዊ ዋዕላ ኣካይዱ። ብኣቦወንበር እቲ ሓይሊ ዕማም ኣቶ ሳልሕ ዩኑስ መእተዊ ድሕሪ ምሃብ፡ ሌላ ምስ ኣባላት እቲ ሓይሊ ዕማምን ዝርዝር ኣስማቶምን ድሕረባይታን፡ ህሉው ኩነታትን ብምግላጽ፡ ኣቶ ሳልሕ ዩኑስ፡ ዶክተር ኣልማዝ ዘርኣይ፡ ኣቶ ሳሙኤል ኣምሃ፡ ኣቶ ሃብትኣብ ገብረየውሃንስን፡ ካልኦት ሰለስተ ብርዱእ ምኽንያት ስሞም ክግለጸሎም ዘይፈቀዱ ኣባላት እዚ ሃገራዊ ዕማም ምኻኑም ገሊጹ።
ድሕረ ባይታን ድፍኢት ተበግሶን እዚ ስራሕ ብኣባል እቲ ሃገርዊ ሓይሊ ዕማም ሳሚኤል እምሃ፡ ኣብ ማሕበረ ቁጠባዊ (ምጣነ ሃብታዊ)፡ ፖሎቲካዊ፡ ማሕበራዊ፡ ሕጋውን መዳያት ዝርዝር መግለጺ ድሕሪ ምሃብ፡ እዚ ሓሳብ ኣብዞም ክፋላት ንዘሎ ሃዋህው፡ ውድቀትን እቲ ድሕሪ ኣብ 1993 ዝተመስረተ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራን፡ ድሒሩ ዝሰዓበ ኲነታትን ከብርህ ከሎ። ብፍላይ ድሕሪ ምጽዳቅ ቁዋምን፡ ኣብ ቻርተራትን መትከላትን ግንባርን፡ ቅዋም ኤርትራ 1997 ዝሰፈረ ኣብነታት ብምጥቃስ፡ ምስ ዘሎ ህሉው ኩነታት ኣዛሚዱ ኣብሪሁ።
እቲ ጋዜጣዊ ዋዕላ ቀጺሉ ንሓላፍነትን ቅርጻ መንግስትን ኣብ ወጻኢ ዝብል ክፋል እቲ መደብ፡ ብ ዶክተር ኣልማዝ ከቅርብ ከሎ፡ እታ ሓይሊ ዕማም፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ክገብር ዝጸንሐ ፈተነታት “ገምጋም ተቋውሞ” ብዕቱብ ብምግምጋም፡ ዝነበሩ ፍሽለታትን ብልጭታትን ብምርኣይ፡ ኣብዚ ዝቐውም መንግስቲ ኣብ ወጻኢ ዝዋቀር መደባት ንምስራዕ ክስራሕ ከምዝጸንሐ ኣብሪሃ። ዶክተር ኣልማዝ ኣብ መግለጺኣ፡ “ጥንሰ ሓሳብ ሙቋም መንግስቲ ኣብ ስደት፡ ነቶም ክውደቡን ፖሎቲካዊ ሓሳባቶምን ክገልጹ ኣኻእሎ ዘይብሎም ዜጋታትና፡ ብምጐናይ ብዋግኦም ይዕመም ከምዘየለን፡ ብኣንጻሩ ሓሳባትን መርገጺታትን ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝርከቡ ሰባት ክንረክብን፡ ኣብ ጥንሰ ሓሳብ ከነጣቅልል ከምዝፈተና ክገልጽ ይፈቱ” ብምባል እዚ ጥንሰ ሓሳብ ኣብ ሞንጎ ብዙሓት ኣትዩ ክትዓት ክካየደሉን፡ ክህብትምን ከምዘለዎ ከምዝኣምኑ ብተወሳኺ ኣብሪሃ።
ዶክተር ኣልማዝ ዘርኣይ ብምቅጻል ናይ መወዳእታ ዕላማ ናይቲ ቀሪቡ ዘሎ ጥንሰ ሓሳብ፡ ምምስራት ሰፊሕ ደገፍ ዘለዎ፡ ንሃገራዊ ረብሓታት ኤርትራ ብብቅዓትን ክእለትን ዝውክል፡ ኣብ ኤርትራ ፖሎቲካዊ ለውጢ ንምምጻእ ዓቢ ተራ ዝጻወት መንግስቲ እዩ።
ብዛዕባ ዝርዝር ስርርዕን ምድባትን እቲ መንግስቲ ቀጺሉ ዝቀረባ ክፍል ኮይኑ፡ እቲ ዝቐውም መንግስቲ ኣብ ወጻኢ ክልተ ክፍልታት ማለት፥ ማእከላይ ቤትምኽሪ (Central Committee) ከምኡ’ውን፡ ፈጻሚ ኣካል (executive) ክህልዎ ምኻኖም ሓቢራ። ነዞም ክልተ ክፋላት ኣቃውኦምን፡ ሓላፍነቶምን ብምዝርዛር፡ ኣብዚ ክፋላት ዝኣትዉ ትካላትን፡ ሰብ ብርክን ውልቀሰባትን ብኸመይ ንዝብል፡ ዝርዝራዊ መብርሂታት ሂባ።
እቲ ጋዜጣዊ ዋዕላ ቀጺሉ፡ ንጋዜጠኛታትን ናይ ትካላት ሓበሬታን ንዝቀረበ ሕቶታት ብምስማዕ ፡ መልሲ ካብ ኣባላት እቲ ሓይሊ ዕማም ሂቡ። ኣብዚ መደብ ዝተሳተፉ ን ሰቲት ሜድያ ሓዊስካ ፡ራድዮ ኤስቢኤስ፡ ኤሪሳት፡ ራድዮ ድምጺ ኣሜርካን ካልኦትን ዘርከብዎም ብርክት ዝበሉ ወከልቲ ማዕከናት ዜናን ሓበሬታን ከምተሳተፉ ብተወሳኺ ይፍለጥ።
ኣብ መወዳእታ እዚ ሃገራዊ ሓይሊ ዕማም ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ዝተፈላለያ ክፍልታት ብሙቛም ኣብ ዘድሊ ናይ ሜድያን ምስ ህዝቢ ዝግበር ርክባትን ክጽመድ ሙዃኑ ሓቢሩ። ኣብ መወዳእታ ንዕዱማት ብምምስጋን ኣብ ቀጻሊ ሜድያ ክጻወቶ ዘለዎ ተራ ብምልባው፡ጋዜጣዊ ዋዕላ ዛዚሙ።
ምሉእ ትሕዝቶ ናይ’ቲ ጋዜጣዊ ዋዕሊ ብመልክዕ ቪድዮ ኣብዚ ተኸታተሉ