ንብዓት ዝኽሪ…. ብዝወረዶ ገፈል ኣሊኹም ፣ፊደላት ኣላጊብኩም ኣንብብዎ ገለ ተሓሰብና ከምገለ እውን ዝኽርታትና ኣበራቢሩ ከም ሰብ ክንሓስብን ከነስተንትንን ተሓገዘ።
ሰናይ ንባብ..
ብንእሽተኻ ፣ማለት ትሕቲ ዕድመ ኮይንካ ብተዓሊም ሓሊፍካ ካላሽን ተዋሂባትካ ምሉእ ዕጥቂ ምስካም ስኢንካ ፍርቁ ተሰኪምካ ክትጎዓዝ ስለዘሕፍረካ ምሉእ ኣቃልቦኻ መዓስ ምሉእ ዕጥቂ ትስከም መዓስ ምሉእ ሰብኣይ ትኸውን እምበር መዓስ ትነብርስ ክትሓስቦ እኳ ኣይትኽእልን…።
እዛ ኩነተ ኣእምሮኣዊ ንእስነት መቸም ነቶም ዕድሚኦም ደፊኦም ወተሃደራዊ ማዕረጋት ደራሪቦም ክብሮምን ክብሪ ስድራቤቶምን ዘውሕሱ ናይ ቀደም ቆልዑ መፍትኦም እያ ። ብሰንኪ ንኡስ ዕድሜኻ ብጀካ ኣብ ከብድኻ ዝኣቱን ዕርቃንካን ዝባንካን ካልእ ክትርእይ ኣይትኽእልን ፣ብቁሪ እናተገረፍካ ፣ኣብ ሓመድ ኣንጺፍካ ትድቅስ፣ሓመድ ነጊፍካ ተሰኪምካያ ትጎዓዝ ንምሸት ትደግማ ። ካብ ድቃስካ ብለይቲ ኣተሲኦም “ሪጋኻ እዩ ዋርድያ ” ይብሉኻ ። ተሲእካ ነቲ እንተመጽዩ ዝቀትለካ ጸላኢ ትሕልዎ፣ግን ጸላኢ መን እዩ? ዝብል ሕቶ ኣይትሓትትን ዋላ ንነብስኻ። ካበይ ከተምጽኦ በቃ ግበር ኣይትግበር ወተሃደራዊ ዘይጽሑፍ ሕጊ ኣሎ…..።
ከም ገለ ኣብታ ብብዕጉግካ ዝተቀበልካያ ናይ ወጋሕታ ዋርድያ እዋን “ጸላእትኻ” ነቲ እትሕልዎ ዘለኻ ድፋዕ ጽግዕ ኢሎም ሓዲሮም ፣ተኹሲ ተኸፊቶም ብብዕጉግካ ናብዝን ናብትን እናተላጋዕካ ውግእ ከተበስር ናብ ሓላፊኻ ትጎዩ ምልስ ኢልካ ግብረ መልሲ ትትኩስ ፣ዕድል ተጌርካ ድሕሪ ኩሉ ናይ ሓጻውን ምግጭጫብ ትድሕን ትሓልፎ፣እቶም ምሳኻ ዝነበሩ በታ ሓንቲ ረፋድ ዘጋጠመ ገልታዕታዕ ናይ ውግእ ኣብኡ ተቀቢሮም ቁጽሪ ናይቶም ደቂ ሓይልኻ ብፍርቂ ምስጎደለ ፣ቅንይ ኢሎም ካልኦት ሓደስቲ ክንዳኻን ምንኣስካን፣ሚሊታሪ ክዳኖም ጎፈፍ እናሎም በቲ ልዕሊ ዕድመ ሓለቃኻ ተመሪሖም ይላለዩኻ…ይድገም እቲ ዛንታ ።
ዝቀደሙ ቀቢርካ ዝኽሮም ከይሃሰሰ ፣ካልኦት ሓደስቲ የዕሩኽ ፣ናይ ራሕባ ምሉእ ፍትፍት ዓደስን ማይን ዝበዝሖ መመናጥልቲ ስለትረክብ ፣ሓድሽ ሕክያ ስለዝኽፈት ፣ዝረሳዕካዮ ስለዘዘኻኽሩኻ ነቲ ብቅድሚኡ ዝነበረ ናይ ኩናት ጭርጭር ዓበደ፣ምስ ምፍሳስ ደሙ ርስዕ ኣቢልካ ትስሕቅ።ደይ ከምኡ’ዩ ቆልዓ ፣ከምኡ እዩ ነገራት ኣብ ደቃይቅ ይርስዕ ። እቲ ትሕተ ውነ ዝንደቅ ዝኽሪ ምስ ዓበኻ ፣ብሂወት እንተተሪፍካ እናተመላለሰ ከምዘሳቅየካ እሞ ኣበይ ክትብሎ።
ዓበይቲ ዝፋኻኸርሉ ኵናት፣ህጻውንቲ ይጥበስዎ፣እቲ መራሕ ኵናት እኹል እቶም ተዋጋእቲ ዝለዓለ ዕድሚኡ 20 ዓመት ምስ ዝኸውን ደስ እናሎም እዮም ፣ኣባጓይላ ኮይኖም ኵናት ዝእዝዙ።
እንድዒ ንዓኹም እምበር ንዓይ ጥዑያት ኣይመስለንን። ሽሕ ሰብ ቀቢሮም ፣ካልእ ሽሕ ኣብ መጋበርያ ዝጠብሱ ህልም ዝበሉ ዕቡዳን ኵናት።
ግን ካላስ እሱ’ዩ ። ዝፈልጥዎ ካልእ የብሎምን ።ኵናት ቁርሶም ኵናት ምሰሖም ፣ምኽንያት ይወሃቦ’ዩ ። ኵናት ምስ ጸሓየ እውን ሞሳኻ ትረኽበሉ ትምጎሰሉ ትሽየመሉ ። ታሪኽ ኮይኑ ውዕሎኻ ብሓበን ትዝክሮ ልብኻን ኣእምሮኻን ቀጥቀጥ እናለ ፣ብሓበን ትንየተሉ ነቲ ሞትን ፣ዲምዲምታን ሕልፈትን።
እወ እሱ’ዩ ዝግበር፣ከምኡ’ዩ ዝበሃል ከምኡ’ዮም ዝገብሩ ኔሮም እቶም ቅድሜኻ። ተዘይኮነ ኣብ ቅድሚ ካሜራ ፣ማይክሮፎን ሓቂፍካ ክትበኪ፣ዝርዛሕ ክትነብዕ ኣይትኽእልን ብምንታይ ትብዓትካ ።
ኣብኡ ኣብቲ መጋርያ ሓዊ ዝተጠብሳ ነብሳት ፣ንመጻኢ ወለዶ እናላ ሓሊፈን ፣ግን እቲ ዝመጸ ወለዶ’ውን ነቲ ካልኦት ዝሓለፍዎ ይደጋግሞ፣ንመጻኢ እናለ ። ታይ ዓይነት ዕብዳን እዩ። መዓስ’ዩ ደው ዝብል ? ብዙሕ ሕቶታት ኣለኒ፡ ግን ድማ ድንግርግር ዝብለንስ እቶም ትማሊ ህጻውንቲ ኮይኖም መሳትኦም ብዘይዕድሚኦም ክቅዘፉ፣ዝረኣዩ ግዜ ምስ ሓለፈ ዓበይቲ ኮይኖም ንሶም’ዮም ዝመርሕዎ እቲ ሓድሽ ቅዲ ኵናት ምእንቲ መጻኢ ወለዶታት ። ዝደጋገም መርገም ደኾን’ዩ ።
ቋሕ እባ ንበል መብረ ኵናት ሰላም ንግበራ ፣ካብ ብኵናት ብሰላም ጉዳያት ዝፈትሑ ዓበይቲ ንድለ። ሎምስ ይኣኽለና ጀጋኑ ኵናት ካብ ምፍጣር ናብ ጀጋኑ ሰላም ንጎዓዝ ። ጀነራል እገለ ዝመረሖ ኵናት እምበር፡ ጀነራል እግለ ዝመርሖ ሰላም ዘይብል ንተደጋጋሚ ሞት ዝዳሎ ወለዶታት ምፍጣር ብኸመይ ንረትዖ። ጀነራላት ምስ መዓርጎም እቶም ዝሞቱ ከኣ ዘይስመዩ ኮይኖም ፣ስውኣት ንብሎም ፣ግን ከኣ ዝስውኡ ንቅርበሎም እዝስ ስኽሕክሕ ይብለኒ ኣሎ። ንዑባ ደው ነብሎ ፣ከለና ከይተቀበርና ፣ሕማቅ ታሪኽ’ዩ ብውሕዱ ኣብ ኵናት ተወሊድካ ኣብ ኵናት ሙማት።