ኣብ ዝኽሪ መበል 20 ዓመት እቲ ንኣሜሪካ ናብ ነዊሕ ኲናት ኣንጻር ግብረ-ሽበራ ዘእተዋ ፍጻሜ 11 መስከረም፣ መጥቃዕቲ ማንታ ህንጻታት ማእከል ንግዲ ዓለም ኣሜሪካ፣ ሰራዊት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ከምዝወጽእ ፕረሲደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ሎሚ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ።
“እንወጽኣሉ ምቹእ ኵነታት ንምፍጣር ተስፋ ብምግባርን ዝተፈልየ ውጽኢትን ብምጽባይን ኣብ ኣፍጋኒስታን ወተሃደራዊ ህላወና ናይ ምዝርጋሕን ናይ ምስፋሕን ወይ ናይ ምስፋሕን ዑደት ክንቅጽል ኣይንኽእልን ኢና ።”
“ኣብ ኣፍጋኒስታን ንዚርከብ ሰራዊት ኣመሪካ ዝመርሐ ራብዓይ ፕረዚደንት ኣመሪካ እየ። ክልተ ሪፓብሊካንን ክልተ ዲሞክራትን ። ነዚ ሓላፍነት እዚ ናብ ሓምሻይ መራሒ ኣይከመሓላልፎን እየ ” ዝበለ ባይደን፣ ዝነውሐ ኲናት ኣሜርካ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዘብቅዓሉን ሰራዊት ኣሜሪካ ድማ ናብ ሃገሩ ዝምለሰሉ እዋን ከምዝኣኸለን ወሲኹ ሓቢሩ።
መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ሞንጎ ጣሊባንን መንግስቲ ኣፍጋኒስታንን ሰላም ንምስፋን ከምዝተሓባበር፣ ኣብ ሰብኣውን ቁጠባውን ጉዳያት እታ ሃገር ድማ ከምዝተሓጋገዝ ወሲኹ ሓቢሩ።
ብመሰርት ነበር ፕረሲደንት ኣሜሪካ ዶናል ትራምፕ ምስ ጣሊባን ዝኣተዎ ውዕል፣ ሰራዊት ኣሜሪካ ካብ 1 ግንቦት ጀሚሩ ከምዝወጽእ፣ 11 መስከረም ድማ ጠቕሊሉ ህላውነቱ ኣብታ ሃገር ከምዘብቅዕ ገሊጹ ኣሎ።
ኣሜሪካ ድሕሪ ግብረ-ሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ማንታ ህንጻታት ማእከል ንግዲ ዓለም፣ ኣብ 2001 ሰራዊታ ናብ ኣፍጋኒስታን ከምዝለኣኸት ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብ ቀጠባን ፖሎቲካን እታ ሃገር ዓቢ ጾር ኮይንዋ ከምዝጸንሐ ዝተፈላለዩ ተንተንቲ ይሕብሩ።