back to top
ሮቡዕ 22 ጥሪ, 2025

ሲኖዶስ ኤርትራ ሓሙሻይ ፓትርያሪክ ንምምራጽ ይሸባሸብ ከምዘሎ ሓቢሩ

ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኤርትራ ብ8 ሚያዝያ፡ ናብ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከባ ኣብያተ ቤተክርስትያናት ኤርትራ ብዝብል መግለጺ ኣብ ዝጸሓፎ፡ ሲኖዶስ ኤርትራ ሓሙሻይ ፓትርያሪክ ንሙሻም መደብ ሰሪዑ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ኣብ ከቢድ ቁልውላው ወዲቃ እትርከብ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኤርትራ፡ ሕጅ’ውን ኣብታ ቤተክርስትያን ዘሎ ሽግራት ከይተፈትሐ፡ ናብ ዝበኣሰ ምሻም ፓትርያሪክ ተምርሕ ምህላዋ ንብዙሓት፡ ሰዓብትን ኣመንትን ኣዛራቢ ኮይኑ ከምዘሎ ይሕበር።
ካብ 2005 ኣትሒዞም ኣብ ዘይሕጋዊ ናይ ገዛ ማሕዩር ዝርከቡ፡ ሳልሳይ ፓትርያሪክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ፡ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ኣንጠንዮስ፡ መዓርጎም ብዘይሕጋዊ ተቀንጢጡ፡ እታ ቤተክርስትያን እዝን ካልእን ዝመበገሲኡ ተገማሚዓ ምህላዋ ይፍለጥ።
ሳልሳይ ፓትርያሪክ ኤርትራ መዓርጎም ብዘይሕጋዊ ተመንጢሎም ኣብ ማሕዩር ድሕሪ ምእትዎም፡ ኦርቶዶክስያዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ራብዓይ ፓትርያሪክ ሸይማ ኡኳ እንተነበረት፡ ብሰንኪ ሕማም ድሕሪ ሙማቶም፡ ክሳብ ሒጂ ኣብ ከቢድ ምፍልላይን ሽግርን ወዲቃ ምህላዋ ይሕበር።

መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ሃይማኖታት ቁሉዕ ምትእትታው ከምዝገበረ ብዙሓት ክሕብሩ ምጽንሖም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብፍላይ ኦርቶዶክስያዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ ድሕነትን፡ ሃይማኖታዊ ጉዳያትን ዝርከቡ ናይ ጸጥታ መራሕቲ ዝወደቀት ሙዃና ይሕበር።

Related Articles

ሳዓቡና

7,375ደገፍቲLike
754ስዓብቲFollow
22,500ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles