back to top
ሰኑይ 24 ለካቲት, 2025

ግብጽን ኡጋንዳን፡ ኣብ ምልውዋጥ ስለያዊ ሓበሬታ ዘተኮረ ስምምዕ ተፈራሪመን

ኡጋንዳን ግብጽን ብ7 ሚያዝያ 2021 ኣብ ጉዳይ ምልውዋጥ ወተሃደራዊ ስለያዊ ሓበሬታ ዘተኮረ ስምምዕ ተፈራሪመን። ብመሰረት ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ እቲ ስምምዕ ኣብ መንጎ ክልቴን ሃገራት ኣብ ካምፓላ ዝተገበረሉ ግዜ፡ ላዕለዋይ ባዓል ስልጣን ወተሃደራዊ ስለያ ግብጺ፡ ሜጀር ጀነራል ሳመሕ ሳበር ኢልደግዊ ” ግብጽን ኡጋንዳን ኒለ ስለ ዘራኽበን፡ ከምዚ ዓይነት ስምምዕ ኣገዳስን ናይ ግድንን ክኸውን ይገብሮ። ን ኡጋንዳ ዘጋጥማ፡ ንግብጺ ይጸልዋ እዩ” ክብል ተዛሪቡ።

ብጉዳይ ኒል ኣብ መንጎ ግብጽን ኢትዮጵያን ዘተፈጠረ ወጥሪ ኣብ ዝውስኸሉ ዘሎ እዋን፡ ፕረዚደንት ግብጺ ኣልሲሲ፡ ኣብ ዝሐለፈ ቀረባ መዓልታት፡ ንጉዳይ ወጥሪ እቲ ዞባ፡ ብሰንኪ ኣጠቃቕማ ማይ ኒል ኣመልኪቱ፡ መጠንቀቕታ ናይ ጎንጺ ኣብቲ ዞባ ምሃቡ፡ ስዒቡ ኣብ መንጎ ኡጋንዳን ግብጽን ናይ ወተሃደራዊ ስለያ ሓበሬታ ምልውዋጥ ስምምዕ ይገብር ምህላዉ ይሕበር።

ኡጋንዳ፡ ሓንቲ ካብተን ፈለግ ኒል ዝብገሰላ ሃገራት ከምዝኾነት ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ን ነዊሕ ግዜ ንግብጺ ኣብ ኣተሓሕዛ ጉዳይ ኣጠቃቅማ ኒል ትነቅፍ ከምዝነበረት ይሕበር።

ብጉዳይ ምህናጽ ሓጽቢ ግድብ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ከቢድ ወጥሪ ኣትያ ዘላ ግብጺ፡ ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ሃገራት ብዝሒ ስምምዓትን ምብጻሕን ተካይድ ከምዘላ ይሕበር። ኣብ ዝሓለፈ እዋናት፡ ሰበስልጣን ግብጺ ኣብ ደቡብ ሱዳንን፡ ጁቡትን በጺሖም ምንባሮም ይፍለጥ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles