back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ስዑዲ ዓረብ ዝመደበቶ “ንሓምላይ ተበገሶ” ዝፍለጥ መደብ ኤርትራ ከምእትጽንበሮ ኣፍሊጣ

ኤርትራ ነቲ ብስዑዲ ዓረብ ተበጊሱ ዘሎ፡ ንመላእ ማእከላይ ምብራቅ፡ ኣብ ምግራብ ምትካል ኣግራብን፡ ክሰርሕ ዝብገስ ወፍሪ ሓምላይ ተበግሶ (green intiative) ክትጽንበሮ ሙዃና ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ትዊተር ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ ኣፍሊጡ።

ስዑዲ ዓረብ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን፡ ማእከላይ ምብራቅን ንዝርከባ ሃገራት ኣብቲ ተበግሶ ክሳተፋ ዕድመ ከተቅርብ ምጽንሓ ዝፍለይ ኮይኑ፡ እታ ሃገር ንኣስታት 20% ናይቲ ተመዲቡ ዘሎ ኣግራብ ክተክል መዲባ ከምዘላ ኣፍሊጣ።

ስዑዲ ዓረብ ነዚ ተበግሶ ዝወሰደትሉ ምኽንያት ተተካኢ ዝኸውን ጸዓትን፡ ምጉዳል ልቀት ካርቦንን ንዝኣመሰሉ ገዘፍቲ መደባት ንምዕዋት ሙዃኑ ብምሕባር፡ እቲ ተበግሶ ክሳብ 2030 ክዛዘም ተመዲቡ ከምዘሎ ይፍለጥ።
እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ ኣብዚ መደብ ንምስታፍ ኣንቂዱ ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመት ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ከካይዶ ዝጸንሐ ብባርነት ዝፍለጥ፡ ብግዴታ ኣብ ስራሕን ምውፋር፡ ኣብዚ መደብ ከምተወሳኺ ሽግር ከይከውን ይስጋእ።
ንዝሓላፈ 20 ዓመት ብስም ሃገራዊ ኣገልጉሎት፡ ክካየድ ዝጸንሐ ግዱድ ዕዮ (slavery) ምዃኑ ዝተነግረሉ፡ ኣብ መንግስታውን ውልቃውን ዕዮታትን ክትሰርሕ ዘገድድ መደብ ክሳብ ሒጂ ይቕጽል ምህላዉ ይፍለጥ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles