back to top
ሰኑይ 24 ለካቲት, 2025

መርከብ ስለያ ኢራን ኣብ ገማግም ማያት ኤርትራ ተሃሪማ

ናይ ኢራን ናይ ስለያ መርከብ ሙዃና ዝተነግረላ መርከብ ኣብ ክሊ ማያት ኤርትራ ከምዝተቀዐት ዝተፈላለያ፡ ምስቲ ከባቢ ቅርበት ዘለወን መርበብ ሓበሬታት ኣፍሊጠን።

እታ መርከብ ክሳብ ሒጂ ብመን ከምዝተጠቀዐት ዝተፈለጠ ነገር ኡኳ እንተዘየለ፡ ገለ ገለ ማዕከናት ዜና ናይ እስራኤል ኮማንዶ ኣብ ልዕሊ እታ መርከብ መጥቃዕቲ ኣካይዱ ክብላ ይዛረባ ምህላወን ይፍለጥ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ ካብ ኢራንን እስራኤል ብዛዕባዚ መጥቃዕቲ ዝኾነ ዓይነት መግለዲ ኣይሃባን ዘለዋ።

ኣብ ማያት ቀይህ ባሕሪ ብዙሓት ኣብ ልዕሊ መርከብ ዝግበር መጥቃዕታት ብዙሕ ተርእዮ ምኻኑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብፍላይ ኣብ ሞንጎ ኣብቲ ከባቢ ማእከላይ ምብራቕን፡ ወሽመጥ ዓረብን ዘለዋ ሃገራት ብተደጋጋሚ ክርአ ምጽንሑ ይፍለጥ።
ኢራንን እስራኤል ንነዊሕ ዝኸደ ዘይምቅዳው ዘለወን ሃገራት ማእከላይ ምብራቅ ኮይነን፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት፡ ካብ ውሽጢ ሃገራትን ወጻኢ ክጠቃቅዓ ምጽንሐን ይፍለይ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles