ልዕሊ 533 ሚልዮን ውልቃዊ ናይ ፌስቡክ ሕሳብ (ኣካውንት) ብዘይተፈልጡ ጉጅለ ወይ’ውን ትካል ቁልፊ መእተዊ ኢመይል፡ ኢመይል፡ ቁጽሪ ተሌፎን፡ ዕለተ ልደትን ካልእ ውልቃዊ ሓበሬታን ከምተሰርቀ ተሓቢሩ።
እዚ ኣብ ልዕሊ 106 ሃገራት ናይ ዝቅመጡ ዜጋታት ዝተሰርቀ ሓበሬታ፡ ኣብ ቁሉዕ ዝኾነ ፡ማንም ሰብ ክርእዮን ክጥቐመሉን መርበብ ሓበሬታ ከምዝተዘርግሐን፡ ን ዝተፈላለዩ ኣካላት ነዚ ሓበሬታ ብምጥቃም፡ ንዝተፈላለዩ ናይ ሳይበር ገበናት ከቃልዖም ከምዝኽእል ተፈሊጡ።
እዚ ዝጋጥም ዘሎ ንመጀመሪያ እዋን ከምዘይኮነ ክግለጽ እንከሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2019 ተመሳሳሊ ተግባር ኣጋጢሙ ከምዝነበረን፡ ኣብ 2016 ዓመተምህረት ብተወሳኺ፡ ናይ ልዕሊ 80 ሚሊዪን ሰባት ካብ ቐንዲ ውዕላት ፋይስቡክ ብምጥሓስ፡ ካምብሪጅ ኣናሌቲካ ብዝባሃል ትካል፡ ኣብ ማዓላ ን ፖለቲካዊ ምውዕዋዕ ዘተኮረ ኣብ ግዜ ናይ ፕርዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ ኣጋጢሙ ከምዝነበረ ይፍለጥ።