back to top
ሰኑይ 24 ለካቲት, 2025

ኮሚተ ወጻኤ ጉዳያት ኣመሪካ ባይቶ ኣመሪካ፡ ሲሃም ዓሊ ክትፍታሕ ጸዊዑ 

ብ ዕለት 5 ሚያዚያ ሰነት ኣሜርካ ካብ ኮሚተ ወጻኢ ጉዳያት፡ ኣብ መርበብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ሲሃም ዓሊ ጓል 15 ዓመት ከላ ብ ሰብሰልጣን ኤርትራ ከምዝተኣስረትን፡ ክሳብ ሕጂ  ሃለዋታ ከምዘይፍለጥን እዚ ቁቡል ኣይኮነን ድሕሪ ምባል፡ ንክትፍታሕ ጸዊዑ።

ብ “ዋን ደይ ስዮም” ዝፍለጥ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራውያን ዝነጥፍ ኤርትራዊ ትካል “እዚ ስጉምቲ ቁኑዕን፡ መንግዲ ን ሚኒስተረ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ፡ኣንተኒ ብሊንከን ኣብ ጉዳይ ሲሃም ጣልቃ ንክግበር” ዝደፍእ እዩ ክብል፡ ነቲ ስጉምቲ ኣብ ማሕበራዊ ድሕረ ገጽ ናይቲ ትካል ኣብ ዝለጠፎ የፍልጥ።

ሲሃም ዓሊ ጓል 15 ዓመት እንከላ ድሕሪ ምእሳራ ክሳብ ሒጂ ንዝሓለፈ 9 ዓመታት ኣብ ዘይተፈለጠ ቤት ማእሰርቲ ተሕልፎ ከምዘላ ይፍለጥ። ኣብ ኤርትራ ብዙሓት ገበን ዘይብሎም ምስ ወለዶምን ካልእ ዝተኣስሩ ህጻናት ከምዘለዉ ይሕበር።

ሲሃም ዓሊ ጓል ሚኒስተር ዜና ነበር ዓሊ ዓብዱ ምዃና ብተወሳኺ ይፍለጥ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles