ኣፍሪቃ ካብ ዝሓለፈ ክልተ ማዕበላት ምልኻፍ ብ ተላባዒ ኮሮና ቫይርስ፡ ኣብዚ ሳልሳይ ማዕበል ዝያዳ ትጥቃዕ ከምዘላ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊጹ። ምስቲ ኣብ መወዳእታ ታሕሳስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዝጀመረ ካልኣይ ማዕበል ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ክነጻጸር ከሎ፡ ኣብ ሕጂ እዋን ሳልሳይ ማዕበል፡ እቲ መልከፍቲ በዚ ተላባዒ ቫይረስ፡ ኣዝዩ ብዝሒ መልከፍቲ ከምዝተራእየን፡ ጠቅላላ ድምር ክሳብ ሕጂ ዛጊት ልዕሊ 4.1 ሚልዮን በዚ ቫይረስ ዝተለኽፉን፡ 110,000 ከም ዝሞቱንን ክሕበር ከሎ፡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ከባቢ 2.7 ሚሊዮን በዚ ቫይረስ ዘተለክፉን 65,000 ዝሞቱን ከምዝነበረ እቲ ጸብጻብ ገሊጹ።
ኣብዚ ሳልሳይ ማዕበል ዝርግሐ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ፡ ካሜሮን፡ ኢትዮጵያ፡ ጊኒን ኬንያን ሓዊስካ፡ኣብ 12 ሃገራት ኣፍሪቃ ምውሳኽ ይረአ ከምዘሎን፡ ብ መጠን ብዝሒ ዝተለኽፉን ዝሞተን ብሰንኪ ኮሮና፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ትስራዕ። ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 1.5 ሚሊዮን ዝተለኽፉን ልዕሊ 52,000 ዝሞቱን ከምዝኾኑ ምንጭታት ይገልጹ። ኣብ መወዳታ ዓመት 2020፡ ብ ኮሮና ዝተለኽፉ ኣብ ካልኣይ ማዕበል ለበዳ ኮሮና ምስ ቀዳማይ ማዕበል ክነጻጸር ከሎ፡ ናይ 30% ዕብየት ከምዘርኣየ እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ ይገልጽ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ካብ መወዳእታ ወርሒ ለካቲት፡ ሃገራ ኣፍሪቃ ክታበት ክቅበላ ካብ ዝጅምራ፡ ኣስታት 7 ሚሊዮን ብዝሒ ጥራይ ከምዝተኸተቡን፡ ምስ 1 ቢልዪን ዝግመት ብዝሒ ህዝቢ ኣፍሪቃ ክነጻጸር ከሎ፡ኣዚዩ ውሑድ ሙኻኑን፡ ምስቲ ትሕተ ቅርጺን ዝርገሐ ናይ ውሃብቲ ኣገግልግሎት ጥዕና ድሩት ስለዝኾነን፡ ናህሪ ምስፍሕፋሕ ናይዚ ሳልሳይ ማዕበል ለበዳ ክውስኽ ከምዝኽእል እቲ ጸብጻብ ገሊጹ።