back to top
ሰኑይ 24 ለካቲት, 2025

ኤርትራዊት ደስታ ርእሶም ስልማት “ኣፍሪቶንዶ 2021” ተዓዊታ

ኤርትራዊት ብርጣንያዊት ደስታ ርእሶም ኣብ ዓውዲ ስነ-ጽሑፍ ሓጺር ዛንታ፡ በታ “ኤትዮ-ኩባኖ” (Ethio-Cubano) እትብል፡ ንዝኽሪ፡ ተሞኩሮ፡ ታሪኻዊ መረዳእታን ተጻራርነት ባህሊ ኢትዮጵያን ኲባን፡ እተንዘንቱ ሓጻር ዛንታ ነዚ ዓወት ክትበቅዕ ክኢላ።
ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ክረምቲ ምስ ካልኦት ዕውታት ናይዚ ውድድር ብሙዃን ኣብ እኩባት ሓጸርቲ ዛንታት ስነጽሑፍ ክትቀርብ ምኻና ብተወሳኺ ይፍለጥ።

ደስታ ርእሶም፡ መጋቢት 26፡ ብ ማንዛዊ ኣገባብ ዝተገብረ ጽንብል ስነ-ስርዓት ምንጋር ዕውታት፡ ኣብ ዘመሓላለፈቶ መልእኽቲ፡ “እዚ ንዓይ ኣዝዩ ግሩም ዝኾነ፡ ሃንደበት እዩ ኮይኑኒ ዘሎ። ኣብ ዘቕረብክዋ፡ ሓጻር ዛንታ ገለ ነገር ምርኣይኩም ሕጉስቲ እየ፡ ክብሪ ከኣ ይስምዓኒ” ድሕሪ ምባል፡ ” በዚ ኣጋጣሚ ንጻሓፍቲ ካብ ስድራይ ኩሉ ግዜ ዘተባቡዑኒ የምስግኖም” ክትብል ገሊጻ።

ደስታ ርእሶም፡ ደራፊት፡ ጸሓፊትን መምህርን ኮይና፡ ኣብ 2020፡ ምዝራብ ብ ዝተፈላለየ ቋንቋ ኣብ ኤሮውጳ ኣብ ዘተባህለ ናይ ጽሑፍ ውድድር ተዓዋቲት ኮይና ከምዝነበረት ይፍለጥ።
ብተወሳኺ ደስታ ርእሶም፡ ጓል ንፍሉጥ ገጣሚ ነፍሲሄር ዶክተር ርእሶም ሃይለ ምኻና ይፍለጥ።
ዶክተር ርእሶም ሃይለ ሰለስተ ናይ ግጥሚ መጻሕፍቲ ዘሕተመን፡ ብፉሉይ ቅዲ ግጥሙን ኣናብብኡን ዝፍለጥ እዩ። መጻሕፍቲ ዶክተር ርእሶም ሃይለ ናብ ቋንቋ እንግሊዘኛ እውን ከምዝተተርጎሙ ይፍለጥ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
914ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles